ዋሽንግተን —
ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ እስራኤልን ሓማስን ንምንዋሕ ዝርርብ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ብእስራኤል ዝቐርብ ዘሎ እማመታት ጽቡቕ ኣይኮነን ክብሉ ምንጭታት ሓማስ ይገልጹ። እቲ ብቐጠርን ግብጽን ዝሽምገል ዘሎ ዝርርብ፡ ቆልዑትን ደቀንስትዮን ጥራሕ 60 ጅሆ ዘፍተሐ ክኸውን ከሎ፡ ብሸነኽ እስራኤል `ውን 180 ፍልስጤማውያን ኣፍቲሑ`ሎ። ሕጂ ዝካየደ ዘሎ ዝርርብ ድማ ነቲ እፎይታ ኵናት ብክልተ መዓልታት ንምንዋሕ `ዩ።
ተላዘብቲ ሓማስ፡ ታንክታትን ከቢድ ብረትን እስራኤል ካብ ቓዛ ክወጽእ ይጠልቡ ኣለዉ።
ኣብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ንሪፖርተራት ዝተዛረበ በዓል-ስልጣን ሓማስ ባሲም ናዓይም ብወገኑ “ ኩሎም እሱራትና ፍትሑልና፡ ኩሎም እሱራትኩም ክንፈትሓልኩም ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።
ዕጡቓት ሓማስ ኣብቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ 1,200 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ 240 ሰባት ጅሆ ሒዞም`ዮም። ድሕሪኡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝወሰደቶ ናይ ግብሪ መልሲ መጥቃዕቲ ድማ መብዛሕቲኦም ሲቪላት ዝኾኑ ልዕሊ 15- ሺሕ ሰባት ምሟቶም መንግስቲ ሓማስ ገሊጹ`ሎ።
ኣብ 2011 እስራኤል ንሓደ ወተሃደራ ክተፍትሕ፡ ከም ለውጡ 1,000 ፍልስጠማውያን ከም ዝፈትሐት ይዝከር።
ቅጥዒ