ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ኣል-ናቡሲ ብዘካየደቶ ደብዳብ ረድኤት ዝቕበሉ ዝነበሩ 70 ፍልስጤማዊያን ምሟቶም ተገሊጹ


ነፋሪት እስራኤል ኣብ ቓዛ
ነፋሪት እስራኤል ኣብ ቓዛ

እስራኤል ኣብ ከተማ ኣል-ናቡሲ ሰብኣዊ ረድኤት ክቕበሉ ንዝተኣከቡ ፍልስጤማውያን ደብዲባ ብውሕዱ 70 ሰባት ከም ዝሞቱን 280 ከም ዝቖሰሉን ሚንስትሪ ጥዕና ፍልስጤማውያን ኣፍሊጡ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ነቲ ኩነታት ይምርምሮ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ካልእ ከባብታት ሰሜናዊ ቓዛ `ውን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ባይታ ስርሒት የካይድ ከም ዘሎን ኣብ ልዕሊ ደቡባዊት ከተማ ኻን ዮኑስ ድማ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ተጸብጺቡ`ሎ።

ኩናት ቓዛ ካብ ዝጅምር፡ ብውሕዱ 30-ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ ፸ ሺሕ ከም ዝቖሰሉን ብሓማስ ዝመሓደር ሚንስትሪ ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ጀነቫ ዝተዛረበ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ኩሎም ወገናት ኩናት እስራኤል ሓማስ፡ ገበናት ኩናት ፈጺሞም`ዩ ኢሉ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG