ጉጅለ ሓማስን እስራኤልን ነቲ ሎሚ ክዛዘም ዝነበረ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኽልተ መዓልታት ከናውሑዎ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ ኣሎ። እስራኤል ን10 ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንምልቃቕ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ክትገብር ምዃኑ ተሰማምዓ ኣላ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ሎሚ ናይ ናይ መወዳእታ መዓልቲ'ዩ። እቲ ዝተበፅሐ ግዚያዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክናዋሕ ድፍኢት ኣብ ዝሓየለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን እስራኤል ተወሰኽቲ ፍልስጤማዊያን እሱራት ክትፈትሕን ሓማስ ድማ ዝጨወዮም ተወሰኽቲ ሰባት ክለቅቕን ትፅቢት ኣሎ።
ሓማስ እቲ ስምምዕ ከናውሖ ከምዝኽእል ምልክት ሂቡ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ግን ሃገሮም እቲ ምንዋሕ ደው ምባል ቶኽሲ ሓማስ ኣብ መዓልቲ 10 ዝተጨወዩ ሰባት ክለቅቕ እንተኾይኑ ከምዝቕበሉዎ ትማሊ ሰንበት ደጊሞም ገሊፆም። ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰሙናት ኲናት ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ፈላማይ ስምምዕ ቶኽሲ ደው ምባል ሓማስ 50 ዝተጨውዩ ክለቅቕ እስራኤል ድማ 150 ፍልስጤማዊያን እሱራት ፈቲሑ'ሎ።
ዛጊት 39 እስራኤላዊያን፣ 117 ፍልስጤማዊያንን 19 ናይ ወፃኢ ዜጋታትን ከምዝተሰደዱ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰንበት ገሊፁ።
ኣመሪካ፣ ግብፂን ቐጠርን እቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ጊዜ ክናዋሕ ይደፍኣ ኣለዋ።
ቅጥዒ