ዋሽንግተን —
ሓይልታት እስራኤል ኣብዛ ዝሓለፈት ለይቲ ንከተማ ራፋሕ ክልተ ግዜ ሃሪሞም፡ ኣብታ ሲቭላት ተዓቑቦምላ ዘለዉ ከተማ ድማ ፍርሒ ነጊሱ`ሎ።
እስራኤል መጥቃዕታ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣስፊሓ`ላ፡ ካብቲ ዝዓነወ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ናብቲ ድሮ ብተፈናቐልቲ ዝመልአ ደቡባዊ ከባብታት መጥቃዕታ ኣስፊሓ`ላ። ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ንሰለማውያን ሰባት ውሑስ ዝብሃል ቦታ የለን ይብሉ ኣለዉ። ኣብ ከተማ ደቡባዊት ከተማ ካሃን ዮኒስን ከባቢኣን ዝካየድ ከቢድ ኩናት ንዓሰርተታት ኣሸሓት ሰባት ካብ ምሕጋዝ ረድኤት ማይን ካልኦት ኣገደስቲ ቀረባትን በቲኽዎም ኣሎ።
ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘስምዖ መጠንቀቕታ፡ “ ሰብኣዊ ቕዝፈት” ኣንጸላልዩ`ሎ ብምባል ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ንምቁራጽ ተኹሲ ክጽውዑ ጠሊቡ`ሎ።
ከምዚ ዓይነት ንምቁራጽ ተዅሲ ዝግበር ድምጺ ግን፡ ኣመሪካ በቲ ዘለዋ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ክትዓግቶ ከም ትኽእል ይግመት።
ቅጥዒ