ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት እስራኤል ብተኸታታሊ ሽዱሽተ ሰዓታት ደብዳብ ዝፈፀመ፣ ድሕሪ ሃማስ ሓምሳ ሮኬታት ናብ እስራኤል ምትኳሱ‘ዩ።ነቲ ናብ ሰለስተ ከተማታት እስራኤል ዝተወንጨፈ ሮኬታት ከምዘምከነ‘ውን ሓቢሩ።

ምስ ጣልያናዊ መዘነኦም ኣብ‘ተን ሮኬት ዝተተኮሰለን ከተማታት ዝበፅሑ ምንስትር ወፃኢ እስራኤል ኣቪግዶር ሌበርማን፣ንስጉምቲ ሃገሮም ይጣበቁ፣

”ኣብ ኲናት ከምንርከብ ንፈልጥ ኢና።ተወንጨፍቲ ይድርብዩልና‘ለው።ሃማስ ንሰላማውያን ሰባት‘ዩ ዒላማ ገይሩ ዘሎ።ሕስብ‘ስኪ ኣብሎ ከም‘ዚ ዝዓይነቱ ሚሳይላት ኣብ ሮማን ናፖሊን ክዓልብ ከሎ።ኣብ ዋሽንግተንን ኒውዮርክን ሮኬታት ክዓልቡ ከለው እስኪ ሕስብ ኣብሎ።ሕነ ክንፈድይ ኣለና” ኢሎም።

ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ብወገኖም፣ሃማስ ነቲ ግጭት ኣብ ምህዳእ ሓጋዚ ስለዘይኮነ ነቂፎም።

“ግብፅን እስራኤልን ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተሓባቢሮም ሰናይ ድልየት ኣብ ዘርእይሉ እዋን፣ሃማስ ዓንቂፁ ሮኬታት ምትኳሱ ብፅኑዕ ከምዝኹነን ክሕብር ይፈቱ።ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምቁራፅ ተፃብኦ ይድግፍ” ይብሉ።

ሃማስ ንዝቀረበሉ ምቁራፅ ተኲሲ ዝሕሰም እንተኾይኑ እቲ ሰሙን ዘቁፀረ ወፍሪ ከምዘናውሕዎ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣፍሊጦም።

”ሃማስ ነቲ ብግብፂ ዝቀረበ እማመ ሰላም እንተነፂጉን ካብ ቃዛ ሮኬታት ምትኳስ እንተቀፂሉን፣ከምኡ‘ውን‘ዩ ዝመስል፣ስለ ህዝብና ኢልና ነቲ ወፍሪ ክነናወሖ ኢና” ይብሉ ንሶም።

ገለ ሓለፍቲ ሃማስ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሳነ ኣይበፃሕናን ይብሉ።ወትሃደራዊ ክንፊ ሃማስ ግና ነቲ እማመ ነፂግናዮ ኢና ኢሉ‘ሎ።ማዕረ ኢድካ ምሃብ‘ዩ ይብል።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ትማሊ ክዛረቡ ከለው፣እማመ ሰላም ግብፂ ዘተባብዕን፣ምንዋሕ‘ቲ ግጭት ንማንም ኣይረብሕን ኢሎም።

በራክ ኦባማ ወሲኾም ”ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ተወንጨፍቲ ዝትኮሳ ሃገር ተተኣናግድ ሃገር ከምዘይትህልው ከንፅር ይፈቱ።እስራኤል ነብሳ ክትከላኸል መሰላ‘ዩ፣ብዘይካ‘ቲ ኣብ ቃዛ ዝፍጠር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ሞት ሰላማዊያን ፍልስጤማውያን ዘጣዕስ‘ዩ።ስለዚ ኣብ ዝሃልውዎ ይሃልው፣ሰላማውያን ሰባት ክጉድኡ ኣይግባእን”ኢሎም።

ብመሰረት ምንጭታት ፍልስጤማውያን ዛጊድ 185 ሰባት ሞይቶም‘ለው። ብወገን እስራኤል ዝሞተ ሰብ የለን።ሳላ መከላኸሊ ጋሻ ጥቅዓት ሮኬታ።

XS
SM
MD
LG