ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ እስራኤልን ካቢነኡን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ሎሚ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 እስራኤል ዝኣተወ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ነተንያሁን ካቢንኡን ተራኺቡ:ተዘራሪቡ።

ብሊንከን እስራኤል ዝበጽሕ ዘሎ፡ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ንሰብኣዊ ረድኤት ተባሂሉ ግዚያዊ ደውታ ክገብር ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ንምግባር`ዩ።

ሰራዊት እስራኤል ንቓዛ ኣብ ዝኸበበሉ እዋን ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ነቲ ኣብ ቓዛ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣተሓሕዛ ንምግባር እቲ ኩናት ከዕርፍ ይጽውዑ`ለዉ።

ብኻልእ ወገን እስራኤል ሎሚ ዓርቢ ነቶም ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ እስራኤል ተቐርቂሮም ዝነበሩ ኣሸሓት ፍልስጤማያን ሰራሕተኛታት ናብ ዓዶም ክትመልሶም ጀሚራ`ላ።

ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ኲናት፡ ደብዳብ ከም ዝነበረ ዘመላኽት ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ጽዑቕ ትኪ ክወጽእ ይርኣይ ኔሩ። ደብዳብ እስራኤል ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ ካብ ቤት ንብረቶም ክሃድሙ ኣገዲዱ`ሎ።

ማይን ነዳድን ተሳኢኑ፡ ሆስፒታላት ኣብ ገምገም ዕንወት ኣለዋ። ኣብቲ ኲናት መብዛሕቲኦም ሕጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብኦም ልዕሊ 9-ሺሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ብወገን እስራኤል ድማ እቲ ናይ መሬት ስርሒት ካብ ዝጅምር ኣስታት 5,400 ከም ዝቖሰሉ፡ ብዘይካ`ቶም ዝተቐትሉ 1,400 19 ወተሃደራት እስራኤል`ውን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG