ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚዛን ባይደን ኣብ ኵናት እስራኤል- ሓማስ


ሚዛን ባይደን ኣብ ኵናት እስራኤል- ሓማስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00

ሚዛን ባይደን ኣብ ኵናት እስራኤል- ሓማስ

እስራኤል ንቓዛ ንምእታው ትቀራረብ ኣብ ዘላትሉ ሕጂ እዋን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኣመሪካ ንዝኾነት እስራኤል ዝወሃብ ዘይነቓነቕ ደገፍን ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ስቪላት ዝበለፀ ሓለዋ ክግበረሎም ይቐርብ ዘሎ ዓለምለኸ ፃውዒትን ሚዛን ኣብ ምትሓዝን ብድሆ ገጢሙዎም ኣሎ።

ኣብ ቓዛ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝቐፀለሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሓማስ "ሓያል ሕነ’’ ኢሎም ናይ ዝፀውዕዎ ስጉምቲ ሳዕቤን ዳግም ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፃውዒት የቕርቡ ኣለው።

እስራኤላዊያን ወራር ንከፅንሕዎ ዲኹም ተተባብዕዎም ዘለኹም ዝብል ሕቶ ሪፖርተራት ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤላዊያን የዘራርቦም እየ ዘለኹ ክብሉ መሊሶም።

እዚ ኣካል ባይደን ንስቪላት ዘድሊ ረድኤት ክቐርብ፣ ኣብ ቓዛ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ፍልስጤማዊያን ኣመሪካዊያን ንምውፃእን ብዛዕባ ተጨውዮም ዝርከቡ ልዝብ ንምክያድን ተወሳኺ ግዜ ንምርካብ የካይድዎ ዘለው ድፍኢት እዩ።

ሰበስልጣን እስራኤል ብውሑዱ 1,400 ሰባት ዝተቐተልሉ ኣብ ውሽጢ መሬት እስራኤል 7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብሓማስ ተጨዊዮም ተወሲዶም ዝበሉዎም ልዕሊ 200 ሰባት ክልተ ኣመሪካዊያን ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ተለቂቖም ኣለው።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም ነቲ ኩነታት ዝምልከት ኣኼባ ትማሊ 25 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝተኻየደሉ ከምዚ ኢሎም።

“መጥቃዕቲ ሓማስ ስቕ ኢሉ ዝነቐለ ኣይኰነን። ፍልስጤማውያን ንኣስታት 56 ዓመታት ዝኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ትንፋስ ዘይህብ መጻብቦን ጎበጣን’ዮም ጸኒሖም። ቀስ ብቐስ ልሙዕ መሬቶም ብሰፈራታት ክውሰድ፡ ቍጠባኦም ክብሕጎግ፡ ህዝቦም ክፈናቐል፡ ኣባይቶም ክዓኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰንሰለታዊ ጎንጺ ክነብሩ ተገዲዶም’ዮም። ንዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘለዎም ተስፋ ጸንቂቖም’ዮም። እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝወረደ ኣበሳ ነቲ ብጕጅለ ሓማስ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ መጥቃዕቲ ምኽኑይ ኣይገብሮን። ማዕረኡ ድማ እቶም ሕጂ ዝወርዱ ዘለዉ ህድግለነ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ንዝወርድ ዘሎ ጃማላዊ ቀጻዒ ግብረ-መልሲ ምኽኑይ ኣይገብሮን።”

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጂላድ አርደን ንርእይቶ እቶም ዋና ጸሓፊ ብትሪ ነቒፎምዎ ኣለው።

"ሕቡራት ሃገራት ይወድቕ እዩ ዘሎ፤ ንስኻ ድማ ሚስተር ዋና ፀሓፊ ኩሉ ስነ፡ምግባራዊነትን ዘይሻራውነትን ስኢንካ ኢኻ።"

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኖም ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቴህራን ነቲ ኲናት ከይተስፍሖ ኣጠንቂቖም ኣለው። እስራኤል ናይ መሬት ወራር ምስ ጀመረት ከም ናይ ሊባኖስ ሂዝቦላሕን ዝኣመሰሉ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት መጥቓዕትታቶም ከሐይሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ብሊንከን እስራኤል "ንስቪላት ምጉዳእ ክተወገድ’’ ምምሕዳር ባይደን ሓያል ምሕፅንታ ምቕራቡ ገሊፆም ኣለው።

"እዚ ማለት መግቢ፣ ማይ፣ መድሓኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ናብ ቓዛ ናብቶም ዘድልዮም ሰባት ክሓልፍ ኣለዎ።"

እቲ ብሊንከን ፃውዒት ዘቕረብሉ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክብሃል ዝፍጠር ደውታ ውዕል ምቁራፅ ቶኽሲ ማለት ከምዘይኮነ ዋይት ሃውስ መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ቤት ምክሪ ሃገራዊ ፀጥታ ጆን ከርቢ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንሓማስ ጥራሕ እዩ ዝጠቅም ኢሎም።

"እዚ ኲናት እዩ። ውግእ እዩ። ደማዊ እዩ። ክፉእ እዩ። ዝኸፍኣ ስለዝኸውን ንቕድሚት ክንስጉም ከለና ስቪላት ሰባት ክጉድኡ እዮም።"

ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ልዕሊ 5,000 ሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐተሉ ኣብ ትሕቲ ሓማስ ዝርከብ ሚንስትሪ ጥዕና ገሊፁ። ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG