ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ካልኣይ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ፈጺማ


ቓዛ
ቓዛ

ሓይልታት እስራኤል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሓማስ ዝርከብ ግዝኣት ቓዛ ኻልኣይ ናይ መሬት መጥቓዕቲ ፈፂሞም። ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ እውን ኣብ ምብራቓዊ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ተዋጋእቲ ደብዳብ ምፍፀመን እቲ ሰለስተ ሰሙን ዘቑፀረ ኵናት ቓዛ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣዕሪግዎ ይርከብ።

ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ቁጽሪ ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 7,000 ምብጽሖም ሓቢሩ'ሎ።

ሓማስ ኣብ እስራኤል ብዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ወፃእተኛታት፣ ቆልዑን ዝርከቡዎም 229 ሰባት ብሓማስ ተታሒዞም ይርከቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG