ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሕዝቦላሕ ንምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝድግፍ ሓቢሩ


ምኽትል መራሒ ሕዝቦላህ ናዒም ቃሲም
ምኽትል መራሒ ሕዝቦላህ ናዒም ቃሲም

ምኽትል መራሒ ሕዝቦላህ ናዒም ቃሲም ነቲ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ንዘሎ ጎንጺ ምቁራጽ ተጻብኦ ንምግባር ዝካየዱ ጻዕሪታት ጉጅለኦም ከምዝድግፎ ሎሚ ሰሉስ ገሊጾም።

ቃሲም ወሲኾም ሕዝቦላህ ዝተወደበ ኮይኑ ክቅጽል'ዩ ንዝወረዶ ዘሕምም ክሳራ'ውን ክዋጻኦ'ዩ ኢሎም።

እስራኤል ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ካብቲ ከባቢ ዶባት ንምድፋእ ሓድሽ መጥቃዕቲ ናብ ኣጋር ሰራዊት ኣስፊሓቶ'ላ። ሰራዊት እስራኤል ነቲ ስርሒት ዝተወሰነ ከባቢን ዕላማ ዝገበረን'ዩ ክብል ይገልጾ።

ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ሰሉስ ከምዘፍለጦ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝኾነ ሱሃል ሑሰኒ ብደብዳብ ነፋሪት ተቀቲሉ'ሎ። ሑሰኒ ካብ ኢራን ናብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝዓረደ ጉጅለ ሕዝቦላህ ኣጽዋራት ኣብ ምስግጋር ዝዋሳእ ዝነበረ'ዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG