ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤልን ወታሃደራዊ ሓላፊ ሓማስን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣሕሊፉ


ዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁንን ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረ ዮዋቭ ጋላንትን
ዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁንን ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረ ዮዋቭ ጋላንትን

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት(ኣይ-ሲ-ሲ)፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁንን ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረ ዮዋቭ ጋላንትን በቲ ኣብ ኲናት ቓዛ ተፈጺሙ ብዝበሎ ገበናት ኲናትን ጸረ- ሰብኣውነትን ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ንሰባት ብምጥማይ፡ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ብምፍጻም ከምኡ`ውን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብምፍጻም ገበነኛታት እዮም ኢልዎም።

እስራኤል ኣባል ኣይ-ሲ-ሲ ኣይኮነትን፡ ነተንያሁን ጋላንትን`ውን ቅጽበታዊ ማእሰርቲ ኣይጽበዮምን፡ እንተኾነ ግን ናብ ካልኦት ሃገራት ክገሹ ከለዉ ከም ሕቶ ክልዓል ይኽእል`ዩ ይብል ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ።

ነተንያሁ ነቲ ኣይ-ሲ-ሲ ዝተመሓላለፈ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኮኒንዎ`ሎ።

ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ ድማ ላግጺን ናይ ሓሶት ክሲን ክብል ነጺግዎ`ሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ንወተሃደራዊ ሓላፊ ሓማስ መሓመድ ደይፍ`ውን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG