ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ዝጀመረቶ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ናብ ቓዛ ይሰፍሕ


ወታሃደራት እስራኤልን ድሩዓት መካይንን መጥቓዕትታቶም ናብ ሰሜናዊን ማእኸላይን ወሽመጥ ቓዛ ኣስፊሖም ከምዝቐፀሉ ተፈሊጡ። ሰባት ብብዝሒ ኣዕቒቦምሎም ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ዝፍኖ መጥቓዕታት ነፈርቲ ውግእ እናወሰኸ ምኻዱ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ሰራዊትን ድሩዓትን እስራኤል ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ 30 ጥቅምቲ 2023 ናብ ውሽጢ ሰሜናዊን ማእኸላይን ቓዛ ደፊኦም ኣትዮም ኣለው። ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማዊያን ኣዕቑቦምሉ ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ይቐርብ ኣሎ ክብሉ የጠንቅቑ።

ብኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተረኸበ ቪዲዮ ከምዘርእዮ ሓንቲ ናይ እስራኤል ታንኪን ቡልዶዘርን ካብ ማእኸላይ ቓዛ ናብ ሰሜን ደቡብ ንዝወስድ ጎደና ዓፅየንኦ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ "ስርሒትና ኣስፊሕና ኣለና’’ ክብሉ ብምግላፅ ኣብ ዝርዝር ምዕባለታት ርእይቶ ክህቡ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

ሓይልታት እስራኤል ብኽልቲኡ ኣንፈት ከተማ ቓዛን ሰሜናዊ ኽፋል እታ ከተማን ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ኔታንታሁ "ካልኣይ መድረኽ" እቲ ኲናት ኢሎም ዝፀውዕዎ ስርሒታት ቐጺሉ'ሎ። ሓይልታት እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ኣብቲ ነበርቲ ብፃዕቒ ዝነብሩሎም ከባቢታት ክዋግኡ ከለው ብኽልቲኦም ወገናት ብዝሒ ጉዱኣት ክውስኽ ትፅቢት ይግበር።

ብሰራዊት እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ዝተፈነወ ቪዲዮ ከምዘርእዮ ሓይልታት እስራኤል ካብ ሰሜን ናብ ውሽጢ ክኣትውን ድሩዓት ኣብ ማእኸል ህንፃታት ወታሃደራት ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛውቲ ቦታ ክሕዙ ኣርእዮም ኣለው። ወሃቢ ቃል ሃጋሪ ተወሰኽቲ ወታሃደራት፣ ድሩዓት፣ ኣሃዱታት ህንደሳን ከበድቲ ኣፅዋራትን ቓዛ ምእታዎም ገሊፆም።

እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ካብ ህንፃታትን ናይ ውሽጢ ምድሪ መንገድታት /ታነላትን/ ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ምቕታሉ ሎሚ ሶኑይ 30 ጥቅምቲ 2023 ገሊፁ።

ወታሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዕጡቓቱ ብኣንፈት ወሽመጥ ሰሜን ምዕራብ ቓዛ ምስ ዝኣተው ወታሃደራት እስራኤል ምትዃሶም ገሊፁ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማዊያን ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝወስድ ጎደና ስለዝተዓፀወ ኣብ ሰሜን ይርከቡ። ብመሰረት ኣሃዝ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 117,000 ዝተመዛበሉ ሰባት ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምህዳም ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ኣዕቒቦም ይርከቡ።

ብዝሒ ሞት ፍልስጤማዊያን መብዛሕቲኦም ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ዝኾኑ 8,000 ምብፅሑ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ገሊፁ። ልዕሊ 1.4 ሚሊዮን ፍልስጤማዊያን ካብ መንበሪኦም ሃዲሞም ኣለው።

ብወገን እስራኤል ሓማስ መጥቓዕቲ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን መብዛሕቲኦም ስቪላት ዝኾኑ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ብመሰረት ሰራዊት እስራኤል ብሰንኪ እቲ ህውከት ኣስታት 250,000 እስራኤላዊያን ምስ ቓዛን ሰሜናዊ ሊባኖስን ካብ ዘዳብው ከባቢታት ወፂኦም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG