ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ


ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:54 0:00

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዙ።

ሓማስ ግን እዚ ውዲት እስራኤል`ዩ ብዝብል ከይትወጹ ይብሎም ኣሎ።

እስራኤል ብነፈርቲ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ትድብድበሉ ዘላ እዋን፡ ዳርጋ ፍርቂ`ቲ ህዝቢ ናብ ደቡብ ገጽኩም ህደሙ ትብሎም ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እስራኤል ብእግረኛ ሰራዊት ናብ ቓዛ ክትኣቱ ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን`ዩ።

ሓማስ ከኣ ነቶም ውጹ ዝተባህሉ ፍልስጤማውያን "ኣብ ገዛኹም ጽንሑ ንእስራኤል ከይትሰምዑ" ይብልዎም ኣለዉ ። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ክንዲ`ዚ ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ውጹ ምባል ሳዕቤኑ ጥፍኣት`ዩ ኢልዎ`ሎ።

እቲ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ ንከተማ ቓዛ `ውን ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ ኣብኣ ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሲቪላትን ኣብ ጭንቀት ወዲቖም ኣለዉ።ነባል ፋርሳኽ ሰራሕተኛ ማሕበር ቀያሕ ወርሒ ንብዓታ እናነዘሐት “ብዛዕባ መግቢ ረስዓዮ፡ ብዛዕባ ኤለክትሪክ ወይ ነዳዲ ረስዓዮ፡ ኣሻቒሉና ዘሎ ብህይወት ክንተርፍ ዲና ዝብል`ዩ” ትብል ።

ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸመሉ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ፡ እስራኤል ናይ ሕነ ምፍዳይ ደብዳባት ኣየቋረጸትን። ሕጂ ሓማስ ጂሆ ሒዝዎም ካብ መንጎ ዘለዉ 150 ዝኾኑ ሰባት፡103 ዝኾኑ ትማሊ ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ ክብል ኣፍሊጡ`ሎ። ብዛዕብኡ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል እስራኤል ግን "ኣይንኣምነኩምን ናትና ናይ መጻረዪ ኣገባብ ኣለና" ክብል መሊሱ`ሎ።

እስራኤል ትማሊ ሓሙስ፡ ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝሓዞም ክሳብ ዝለቅቕ፡ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ዝኾነ ቐረባት የለን ክትብል ኣፍሊጣ። ንሲቪላት ዒላማ ኣይንገብርን ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መደበራት ሓማስ ንምዕናው ኢና ንድብድብ ዘለና፡ ስራሕና ምስ ወዳእና እቶም ሲቪላት ናብ ገዝኦም ክምለሱ ይኽእሉ`ዮም ኢሉ`ሎ።

ሓማስ ድማ እቲ ህደሙ ዝብል ትእዛዝ እስራኤል ንውሽጣዊ ሓድነት ግንባርና ንምልሕላሕ ዝዓለመ ወዲት ብዝብል ፍልስጤማውያን ነቲ ስነ-ልቦናዊ ኵናት ዝበሎ ክነጽግዎ ጸዊዑ`ሎ።

ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታልት ኣብ ቀጽርታት ሕቡራት ሃገራት ተዓቑበን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርትታት`ውን ቁሱላትን ሕሙማትን ገዲፍና ክንግዕዝ ኣይንኽእልን ኢና ይብላ`ለዋ።

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ንሓማስ ከይደምሰስኩ ኣይምለስን`የ ይብል ኣሎ፡ ንምምሕዳር ሓማስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ከውርድ`ውን ህዝባዊ ጸቕጢ ይበዝሖ`ሎ።

ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ዝገብሩ ዘለዉ ሚንስተራት ወጻእን ምክልኻልን ኣመሪካ ከምኡ`ውን ምስኦም ሒዞሞ ዝኸዱ ናይ ኣጽዋራት ድጋፍ፡ እስራኤል እቲ ወፍሪ ክትቅጽሎ ቀጠልያ መብራህቲ ዝህብ`ዩ።

እስራኤል ብእግረኛ ሰራዊት ናብ ቓዛ እንተ ኣትያ ግን እቲ ኢድ ብኢድ ኣብ ገዛውቲ ዝግበር ኲናት ኣዝዩ ጨካን ከምዝኸውን `ዩ ዝእመን።

ጎረቤት ቓዛ ዘላ ግብጺ ድማ ፍልስጤማውያን ኣብ መሬታ ክሰፍሩ ኣይትድግፍን፡ ካብ ትህቦ ምኽንያታት ሓደ ፡ ፍልስጤማውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንምምስራት ዘለዎም ቃልሲ ዘዳኽም'ዩ ትብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG