ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ዓመት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ዝቐረበሉ'ቲ ግጭት ኣብቲ ዞባ ከይሰፍሕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ


ሓደ ዓመት ድሕሪ ሓማስ ኣብ እስራኤል ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕት ብምፍጻሙን 1,200 ሰባት ምቕታሉምን፡ እቲ ግጭት ዓሪጉ ንልዕሊ 40,000 ሰባት ቐቲሉ፡ ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ምሉእ ግጭት ከይኣትው ኣብ ስግኣት ይርከብ።

እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንስምምዓት ሰላም ብምንፃግ ኲናት ቀፂሎም ኣለው። ኣብ ቀረባ ንዝመጽእ ፕረዚደንት ኣመሪካ'ውን እዚ ብድሆ ቀጻሊ ይመስል።

ህውከት ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ሊባኖስ ብምስፋሕ እስራኤል ኣብ ቀረባ ንዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብምጥቃዕ ንመራሒ'ቲ ጉጅለ ቀቲላ። በዚ ዝተቖጥዐት ደጋፊት ናይቲ ጉጅለ ዝኾነት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሚሳይላት መጥቓዕቲ ፈፂማ።

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ይቀራረብ ኣብ ዘለሉ እዚ ግጭት እዚ ኣብ ሓፂር እዋን ዘብቅዕ ኣይመስልን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG