ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣጋር ሰራዊት ብምስላፍ ካልኣይ መድረኽ ኲናት ፈሊማ


ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ቐዳም 28 ጥቅምቲ ሃገሩ ካልኣይ መድረኽ ኲናት ኣንጻር ሓማስ ኣጋር ሰራዊት ብምስላፍ ከምዝኸፈተትን ኣብ ቓዛ ትገብሮ መጥቃዕቲ ድማ ናብ ናይ መሬት ኣየርን ባሕርን ከምዘስፋሓቶ ንህዝቢ'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።


ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁ ኣብቲ ብተሌቪዥን ዝሃቡዎ ሃገራዊ መግለጺኦም፡ እስራኤል ንኹሎምቶም ተጨውዮም ዘለዉ ሓራ ንምውጻእ ወሲና ምህላዋ ብምጥቃስ፡ እዚ ዝሰፍሐ ናይ መሬት ስርሒት ነዚ ከተግብር ከምዝሕግዝ ኣፍሊጦም። "እዚ ካልኣይ መድረኽ ኲናት ዕላማታቱ ንጹር'ዩ። ንናይ ሓማስ ወተሃደራ'ውን መንግስታውን ዓቕምታቱ ንምድምሳስን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ድማ ንምምላስን እዩ፡" ክብሉ ኣፍሊጦም።


ሓንቲ ሃገር ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ክልተ ኣማራጺታት ከምዘለዋ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፤ እቲ ኣማራጺታት ድማ ክትግብር ወይድማ ክትመውት ከምዝኮነ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬትኡ ሃገሩ እስራኤል እዚ ዓይነት ፈተና ወሪድዋ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ብዘየጠራጥር መገዲ ተዓወቲ ኮይና ክንወጽእ ኢና ኢሉ።


ብመሰረት መግለጺ ነበርቲ ቓዛ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ንዝበዝሕ ናይ ርክብ መሳርሒታት ከምዘዕነዎም ይጠቕሱ። በዚ ድማ ኣብቲ ግዝኣት ን2.3 ሚልዮን ሰባት ነበርቲ ናይቲ ቦታ ካብ ኩሉ ርክባት ከምዝተቋረጾም ይሕበር። ወተሃደራዊ መግለጺ መሳርዕ ታንክታት ናብ ዶባት ቓዛ ክጽግዓን ነፈርቲ ድማ ንድፍዓትን መተሓላለፊ ጎዳጉዲ ሓማስ ከምዝደብደባን የረድእ። ሓማስ ሰለስተ ሰሙን ይገብር ናብ እስራኤል ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ድፍዓት ሓማስ ቀንዲ ዒላማ ደብዳብ ወፍሪ እስራኤል ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።


ኲናት እስራኤልን ሓማስን፡ ሓማስ ኣብ ሓደ ዓቢ በዓል ኣይሁድ ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ናይ ተዳወብቲ ማእከላይ ምብራቕ ኩናት ክልሕም ተኽእሎ ከምዘለዎ'ዩ ተጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG