ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንዓዶም መሊሳ


ISRAEL
ISRAEL
እስራኤል ን14 ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰት ተገሊፁ።

ሃኣረትዝ ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝዘርገሖ ዜና፣እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም እስራኤል ተታሒዞም ዝነበሩ 14 ኤርትራውያን፣ ከምዝተሰማምዑ ዝሕብር ሰነድ ድሕሪ ምፍራሞም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ይብል።

ሓደ ሰብ ግና ድሕሪ ነቲ ሰነድ ምፍራሙ ሓሳቡ ስለዝቀየረ፣ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮንይም ከምዝርከብ እቲ ዜና ይሕብር።

ንባዓል ስልጣን ኢምግሬሽን ዝጠቀሰት ጋዜጣ የሩሳሌም ፖስት ብወገና፣ብጠንቂ‘ቲ ስዱዳት ብፈቃዶም ንዓዶም ምምላስ ዝብል ሓድሽ ፖሊሲ፣ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ካብ እስራኤል ይወፁ ከምዘለው ጠቂሳ‘ላ።

ብመሰረት ጋዜጣ የሩሳሌም ፖስት፣እቲ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ዝሳዓበ፣እታ ሃገር ንስደተኛታት ፈቃደኛታት ኣምሲላ ትምልሶም ኣላ ዝብል ተኸታታሊ ፀብፃባት ሚድያ ድሕሪ ምቅራቦም፣ዓቃቢ ሕጊ እስራኤል ነቲ መስርሕ ገቲኦሞ ከምዝነበሩ ትሕብር።

እቲ ፀብፃብ እስራኤል ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ማእሰርቲ እናዳጎነት፣ስደተኛታት ናብ ዓድና እንተተመለስና ይሐሸና ንክብሉ ትገብር ከምዘላ ይገልፅ።

ቪኦኤ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ኤርትራ ዝብሎ ኣሎ እንተኾይኑ ንምሕታት ፈቲኑ ኣይሰለጦን።

ብዛዕባ‘ዚ ምዕባለ‘ዚ ኣማእኪሉ ሎሚ መግለፂ ዘውፀአ ሁማን ራይት ዋች ግና ”እስራኤል ከምዝደለየቶ ኮሓሒላ ተቅርቦ፣እዚ ስጉምቲ‘ዚ ንሱዳናዊያንን ኤርትራውያንን፣ብመውፅኢ ዘይብሉ ማእሰርቲ ኣፈራሪሓ ናብ ዓድና ምምላስ ይሓሸና ንክብሉ‘ያ ትገብር ዘላ” ኢሉ‘ሎ።

ሁማን ራይት ዋች ኣተሓሒዙ“እስራኤል ንፖሊሲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደው ክተብሎን፣ሓተቲ ዕቁባ ክሳብ መልሲ ዝረኽቡ ካብ ማእሰርቲ ንክተውፀኦም” ፀዊዑ።
XS
SM
MD
LG