ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲግል ሮዘን ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ንዝተመለሱሉ ኩነታት ትትንትን


ISRAEL MIGRANTS
ISRAEL MIGRANTS
እስራኤል ነቶም ፈሪሞም ዝተሰማምዑ ዝበለቶም 14 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ከምዘፋነወት ኣብ ናይ ትማሊ ሶኒ ዜና ምቅራብና ይፍለጥ።

ብዛዕባ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ኣብ እስራኤል ንመሰል ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን ዝጣበቅ ትካል ተተሓባብር ሲጌል ሮዘን”ኣብ‘ቲ ዝነበርዎ ተስፋ ስኢኖም እዮም።ካልእ ምርጫ ኣይተራእዮምን።ልዕሊ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ‘ቲ ቤት ማእሰርቲ፣ንልዕሊ ዓመት ተኣሲሮም‘ዮም” ትብል።

ሲግል ወሲኻ፣ሰራሕተኛታት ኢምግረሽን ናብ‘ቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ እናኸዱ፣ ነቶም እሱራት ካብ‘ዚ ቤት ማእሰርቲ‘ዚ ናፃ ክትወፁ ትኽእሉ ንዓድኹም እንተተመሊስኩም ጥራሕ‘ዩ እናበሉ ከምቅብፅዎም ትገልፅ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:27 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG