ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንዋሕዚ ስደተኛታት አፍሪቃ ንምግታእ ዘፅደቀቶ ውጥን ኣብኡ ንዘለው ስደተኛታት አሻቂሉ'ሎ


እስራኤል ካብ አፍሪቃ ንዝመፁ ዋሕዚ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ንምግታእ ስሩምታት ትወስድ'ላ።

በብወርሑ 2-ሽሕ አፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ይአትዉሉ ኣብ ዘለውሉ ኣብዚ እዋን ካብኔ'ታ ሃገር ነዚ ይዓቢ ከም ዘሎ ስግአት ዝረአዮ ኩነታት ንምግታእ ሓደ ፕሮግራም አጽዲቁ'ሎ።

እዚ ኸአ አብቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ናብ እስራኤል ዝአትውሉ ምስ ግብፂ ዘዳውብ በረኻ ሲና ብቅልጥፍ ናይ ፀጥታ ሓፁር ብ'167 ሚልዮን ዶላር ናይ ምስራሕ ውጥን ክቀላጠፍ ዝፅውዕ'ዩ።

ብተወሳኺ ስደተኛታት ዝተሓዝሉ ሓውሲ አብያት-ማእሰርቲ ዝዓይነቶም መሳለጥያታት ምስራሕ ክጋፋሕ'ዩ፣ ነቶም ስደተኛታት ንዘስርሕዎም'ውን ብገንዘብ ክቅፅዑ'ዩም።

መብዛሕትኦም ካብ ሱዳንን ኤርትራን ገለ ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 40-ሽሕ ስደተኛታት አፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ከምዝአተው ይንገር።

ኣብኡ ዝርከቡ ስደተኛታት እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዘሻቀሎምን ተሸቁሪሮም ከም ዘለዉ ይገልፁ'ለው።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG