ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ክትኩንን ኣብ ጎኒ እስራኤል ደው ክትብልን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ዳግም ሓቲቱ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ንኣምባሳደር እስራኤል ኣለለኝ ኣድማሱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ ኔሩ። ብዛዕባ ርክቦም ንድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃበ ምኽትል ኣምባሳደር እስራኤል ቶመር ባርላቪ “ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ክትኩንን” ዳግማይ መጸዋዕታ ከምዘቕረቡ ጠቒሱ`ሎ። ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ርእይቶ ንምስማዕ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይተዓወተን። እንተኾነ እቲ ሚንስትሪ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ ዝርርቦም ንግጭታት ዘላቒ ፍታሕ ንምንዳይ ዘሎ ኣገዳስነት ዘተኮረ ምንባሩ ሓቢሩ`ሎ።

ምስ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ብዝተሓሓዝ፡ ኢትዮጵያ መርገጺኣ ዘይገለጽትሉ ምኽንያት ርእይትኡ ዝሃበ ተመራማሪ ዓለምለኸ ፖለቲካ በፈቃዱ ዳባ፡ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸን ንሃገራት ዓለም ዝኸፋፈለን ከምዝኾነን ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ድማ ነቲ ጉዳይ ብፍርሕን ብጥንቃቐን ክሕዝኦ ከም ዝመርጻ ርእይትኡ ሂቡ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን እትድግፎ ፍታሕ ፡ ምቛም ክልተ መንግስታት ምዃኑ ኣፍሊጣ ኔራ`ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG