ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መረፃ እስራኤል 'ሊኹድ ፓርቲ' ተዓዊቱ!


ቀ/ሚ ድሕሪ ዓወት
ቀ/ሚ ድሕሪ ዓወት

ኣብ ምርጫ እስራኤል ፓርቲ ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንየሁ ተዓዊቱ።ቀ/ሚ ድሕሪ ዓወት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ”ኩሉ ዓይነት ተፃብኦታት ኣጓኒፉና ከሎ ግና ተዓዊትና፣ፓርቲ ሊኹድ ተዓዊቱ!” ኢሎም።

ወገዓዊ ውፅኢት መረፃ እስራኤል፣ፓርቲ ሊኺድ 30 መናብር፣ተቓዋማይ ፅዮናዊ መራሒ ፓርቲ ሌበር ኣይዘክ ሄርዞግ ድማ 24 መናብር ተዓዊቶም’ለው ኣብ’ቲ 120 መናብር ዘለዎ ክነሰት (ፓርላማ) እስራኤል።

ብመሰረት እዚ ፀቢብ ኣፈላላይ’ዚ፣ሚስተር ኔታንየሁ ልፍንታዊ መንግስቲ ንክምስርቱ ክግደዱ’ዮም።ስዕረቶም ዝተቐበሉ ሄርዞግ፣ተቓዋማይ ሰልፊ ኮይና ክንቕፅል ኢና ኢሎም፣

XS
SM
MD
LG