ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ንካቢነ ኲናት ኣፍሪሶም


ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ንናይ ኲናት ካብነኦም ሎሚ ሰኑይ ምብታኖም ሓደ በዓል ስልጣን እስራኤል ገሊፁ። እዚ ውሳነ እዚ ማእኸላይ መርገፂ ዘለዎ ጀነራል ነበር በኒ ጋንዝ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ናይ ኲናት ካብነ ስልጣኑ ምስ ሓደገ መዝነቱ ምስ ሓደገ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዩ። በኒ ጋንዝ: እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ክጅምር ከሎ'ዩ ኣባል እቲ ካብነ ዝኾነ።

ሰራዊት እስራኤል ንዝጠመዩ ፍልስጤማዊያን ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣብ ቀትሪ ተፈፃሚ ዝኸውን ናይ 11 ስዓታት "ስልታዊ ዕረፍቲ’’ ከም ዝጅምር ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓሓሊፉ ካብ ዝካየድ ውግእ ሎሚ ሰንበት እቲ ደውታ ዝፀንዐ ይመስል ።

እስራኤል ናብ ዝተቖፃፀረቶ ቦታ ናይ ፅዕነት መካይን ንክበፅሓ ምእንታን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ደው ዘበለቶ መጥቓዕቲ ክቕፅል እዩ ኢላቶ ኣላ። እተን ናይ ፅዕነት መካይን መግብን መድሃኒትንን ፅዒንነ ናብ ካልኦት ከባቢታት ቓዛ ውሑስ ብዝኾነ ኣገብባ ክሓልፋ እየን።

እቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝተኣወጀ "ስልታዊ ደውታ’’ 12-ኪሎ.ሜትር ንውሓት ዘለዎ ኣብ ከባቢ ራፋ ዝርከብ መገዲ መካይን ዝሽፍን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ መጥቃዕቲ ደውታ ቀንዲ መሻርኽቲ እስራኤል ዝኾነት ኣመሪካ ሓዊሱ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እስራኤልን ሓማስን ክቕበሉዎ ይደፍእሉ ዘለው ኣብ ቓዛ ምሉእ ብሙሉእ ምቁራፅ ቶኽሲ ክሳብ ጠጠው ምባል ኣይከደን።

ዝተኣመመ ምቁራፅ ቶኽሲ ኣብ መላእ ቓዛ ንሽዱሽተ ሰሙናት ውግእ ደው ዘብልን ብለውጡ ድማ ብእስራኤል ዝተኣሰሩ ፍልስጤማዊያን ክፍትሑን ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ሰባት ክልቀቑን ዝፅውዕ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ውግእ ከም ዝቕፅል ዝሕብር ምልክት መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ካብ ጥቓ ቓዛ ካብ ዝርከባ ኣብ ደቡባዊ ዶብ እስራኤል ዝርከባ ከተማታት ዝተመዛበሉ ናይ ሆቴል ፃኒሒቶም ዝኽፈል ገንዘብ ክሳብ 15 ነሓሰ 2024 ከም ዝሽፍን ትማሊ ሰንበት ምግላፁ እዩ።

እቲ ብውሱን መልክዑ ደው ዝበለ ውግእ እንተቐፂሉ ናብቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት እስራኤል ዝኣተወቶ ራፋ ሓዊሱ ፍልስጤማዊያን ዘድልዮም ነገራት ንምቕራብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ እስራኤል ዝወሰደቶ ውሱን ደውታ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ ኮይኑ "እዚ እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዓጊቱ ዝፀንሐ ጉዳያት ንምፍታሕ ናብ ተወሳኺ ጭቡጥ ስጕምትታት ዝወስድ ከም ዝኸውን" ተስፍኡ ገሊፁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG