ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣተሓሕዛ ኲናት ኣንጻር ሓማስ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እስራኤል ፍልልይ ምፍጣሩ ተገሊጹ


ንኣተሓሕዛ ኲናት ኣንጻር ሓማስ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እስራኤል ፍልልይ ክቀላቐል ምጅማሩ ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር። ሓደ ኣባል ካቢነ ኲናት እስራኤል፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍትሖም ዘሎ ስትራተጂ ጽቡቕ ከምዘይኮነ ክገልጽ ከሎ፡ ቀዳማይ ሚንስተር`ታ ሃገር ድማ ብኣመሪካ ዝቐረበ ነቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምህድኡ ዝብል ጻውዒት ኣይተቐበሎን።

ካብ መንጎ ኣርባዕተ ኮሚቴ ኲናት እስራኤልን ወተሃደራዊ ሓላፊ እስራኤል ዝነበረን ጋዲ ኣይሰንኮት፡ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ጥራይ`ዩ ክፍትሖም ዝኽእል ዝብል መርገጺ ወሲዱ`ሎ። ብኻልእ ኣገባብ ክፍትሑ ይኽእሉ`ዮም ዝብሃል ነገር ሕልሚ `ዩ ክብል`ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ጅሆ ንምፍታሕ ምቁራጽ ተኹሲ ይገበር ዝብል ብኣባል ካቢነ ኲናት እስራኤል ዝኾነ ኣይሰንኮት ዝቐረበ ስምዕታ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራዊን መሪሕነት እስራኤል ዝተራእየ ዳሕራዋይ ኣፈላላይ ምዃኑ `ውን ተፈሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG