ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤልን ሓማስን ከቢድ ግጭት ኣብ ካሃን ዮኑስ የካይዱ


እስራኤልን ሓማስን ከቢድ ግጭት ኣብ ካሃን ዮኑስ የካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

እስራኤልን ሓማስን ከቢድ ግጭት ኣብ ካሃን ዮኑስ የካይዱ

ሓይልታት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ክልተ ዝዓበያ ከተማታት ቓዛ ኩናት ቀጺሎም ኣለዉ። ሲቪላት ኣብ መንጎ ተቐርቂሮምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እስራኤል ንሓማስ ካብ ስልጣን ክሳብ ተወግድ ነቲ ኵናት ደው ከም ዘይተብሎ ኣፍሊጣ`ላ።

እቲ ኵናት ዛጊት ኣሸሓት ፍልስጤማውያን ሲቪላት ቀቲሉ ኣስታት 85 ሚእታዊት ህዝቢ ድማ ኣፈናቒሉ`ዩ። ኣመሪካ ሽሕ`ኳ ሞት ሲቪላትን ጃምላዊ ምፍንቓልን ክጎድል ትጽውዕ እንተኾነት ንወተሃደራዊ ዘመተ እስራኤል ድጋፋ ቀጺላ`ላ። `

ነበርቲ ኣብ ከተማ ካሃን ዮኒስ ከቢድ ኵናት ከምዝቐጸለ ይገልጹ`ለዉ። ሓይልታት እስራኤል ሓዲሽ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ከተማ ቓዛ ኣብቲ ተፈናቐልቲ ተዓቑቦምሉ ዘለዉ ከባቢ ጃባሊያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ`ውን ኵናት ቀጺሉ`ሎ። ገዛውቲ ናብ ፍርስራስ ተቐይሩ`ዩ።

ኣብ ካሃን ዮኑስ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ከቢድ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይገልጹ። ኣብኡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።ራድዋ ኣቡ ፍራየህ ትብሃል ኣብ ከባቢ`ቲ ሆስፒታል ዝነበረት “ህንጻና ኣንቀጥቂጡ፡ መጨረሽታና ኮይኑ ንመውት መሲሉና ኔሩ “ ትብል። ሰለስተ ኣዋልድ ደቁ ሒዙ ካብ ከተማ ቓዛ ዝሃደመ ሑሴን ኣል-ሳይድ ኣብቲ ጥቃ ሆስፒታል ምስ 70 ዝኾኑ ካልኦት ተዓቑቡ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ እኹል ዝብላዕ ከምዘይረኽቡን፡ ንደቁ ክገድፈለን ክብል ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራሕ ከም ዝበልዕን ተዛሪቡ። ንሱ “ ናብ ንኸዶ ጠፊኡና፡ ሰላም`ዩ ዝብሃል ቦታ የለን” ይብል ።

ሓማስ ብዙሕ ክሳራ ወሪድዎ ተባሂሉ ይእመን። ሎሚ ሰኑይ ግን ኣድራጋ ሮኬታት ናብ ከተማ ቴል-ኣቪቭ ወንጪፉ። ሓደ ሰብ ፈኩስ ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞ ይግለጽ ኣሎ፡ ከምኡ `ውን ኣብ መካይንን ህንጻታትን ጉድኣት ይርኣይ ኔሩ።

ምስቲ ዘይባሪ ኵናት፡ ሕሱም ዋሕዲ መግቢ ኣጋጢሙ`ሎ፡ ፍልስጤማውያን ከምቲ ኣብ 1948 እስራኤል ክትምስረት ከላ ዘጋጠመ ጠቕሊሎም ከይስደዱ`ውን ይስጋእ ኣሎ።

ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቐጠር ንሓደ መድረኽ ኣብ ዝገበሮ መደረ “ ህዝባዊ ስርዓት ምሉእ ንምሉእ ክበታተኽ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክንህር፡ ከምኡ`ውን ናብ ግብጺ ዝግበር ዋሕዚ ስደት" ተጸበዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ኤሎን ለቪ ግን ፡ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ካብ መሬቶም ጸሪጋ ክተውጽኦም መደብ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ዘሕርቕ ሓሶት `ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ። ካልኦት ሰበ-ስልጣን እስራኤል ግን ነቲ ሓሳብ ከም ዝዘተይሉን፡ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ነቶም ፍልስጤማውያም ምቕባል ዝብል ከም ዝነጸግኦን ይግለጽ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሊባኖስን ኣብቲ እስራኤል ትቆጻጸሮ ምዕራባዊ ገማግምን ፍልስጤማውያን ተቓውሞ ጌሮም ኔሮም። ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ ሰልፊ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣመሪካ ነቲ ብዓርቢ ዝተኻየደን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ንምቁራጽ ተኹሲ ዝጽውዕን ምውሃብ ድምጺ፡ በዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ድሕሪውድቕ ምግባራ`ዩ። ብተመሳሳሊ ንጽባሕ ሰሉስ`ውን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘይ-ቀያዲ ዝኾነ ምውሃብ ድምጺ ተመዲቡ`ሎ።

እቲ ኩናት ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ`ሎ፡ ዛጊት ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን ቁጽሮም ናብ 18- ሺሕ ገጹ ይጽጋዕ ከም ዘሎ ጸብጻብ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር ። ብሸነኽ እስራኤል ድማ 1,300 ምሟቶም ይግለጽ። ሓማስ በቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝገበሮ መጥቃዕቲ ልዕሊ 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ ዝተገብረ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ስምምዕ ልዕሊ100 ዝኾኑ ለቒቕዎም`ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ እስራኤል ኣብ ቓዛ ናይ ግብረ፡-መልሲ መጥቃዕቲ ካብ ትገብር ንድሓር 104 ወተሃደራት ተቐቲሎማ`ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG