ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ፋሉይ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ከተማ እየሩሳሌም ፡ኤርትራዊያን አባላት ሰራዊት ነበር ጉዳዮም ንመሰል ስደተኛታት ዘማልእ’ዩ ክብል ውሳንኡ ኣሕሊፉ


ኤርትራዊያን ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ከተማ እየሩሳሌም
ኤርትራዊያን ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ከተማ እየሩሳሌም

ሓደ ፋሉይ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ከተማ እየሩሳሌም ፡ኤርትራዊያን አባላት ሰራዊት ነበር ጉዳዮም ንመሰል ስደተኛታት ዘማልእ’ዩ ክብል ውሳንኡ ከምዘሕለፈል፡ ሓደ ትካል ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት እስራኤል ኣፍሊጡ።

እቲ ብዩኒቨርሲቲ ቴልኣቪብ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ሕቶ፡ መንግስቲ እስራኤል ልዑል ቁጽሪ ንዘለዎም ኤርትራዊያን ስደተኛታት መሰል ከረጋግጽ ጸቕጢ ዝፈጥር ክከውን ይክእል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

መንግስቲ ተወሳኺ ቁጽሪ ስደተኛታት እንተተቐቢሉ እቲ ኣብ ቀረባ ዝወጸ ውሳነ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ ብኸመይ ከምዝቕጽል ንጹር ኣይክኽውንን`ዩ።

እዚ ቤት ፍርዲ ኣቐዲሙ ኣብ መስከረም,2016፡ ነቲ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ኤርትራዊያን መሰል ስደተኛታት ክወሃቡ የብሎምን ዝብል ውሳንኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ውሳነ ምሕላፉ’ውን ይፍለጥ።

ይኹን ደኣ እምበር እዚ ውሳነ ብቤትፍርዲ ምምሕዳር ከተማ የሩሳሌም ዝተላዕለ ምኳኑ ይዝከር፡ ነዚ ናይ ሕጂ ውሳነ’ውን መንግስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ እየሩሳሌም ከቕርቦ ይኽእል’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው።

ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ክሳብ ሕጂ ካብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጦም ናብ እስራኤል ዝኣተው ኤርትራዊያን መሰል ስደተኛታት ከምዘይህብ ብምፍላጥ ሕቶኦም ነጺግዎ እዩ።

ብመሰረት ስምምዕ መሰል ስደተኛታት ዓለም ሓንቲ ሃገር ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልስ ኣይግባኣን ይብል። እስራኤል ድማ አካል እዚ ስምምዕ እያ።

እቲ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ብዝሒ ንዘለዎም ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ምቕባል ንልምድን ባህልን ኣይሁድ ከጥፍእ ይክእል’ዩ ብዝብል መመኽነይታ መንግስቲ ንመሰል እዞም ስደተኛታት ክነጽግ ግቡእ ኣይኮነን ይብል።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣስታት 30,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ከምዘለዉ ይንገር።

XS
SM
MD
LG