ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኣስታት 20 ሽሕ ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ መምርሒ ሂባ


 ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል
ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ስደተኛታት ማእሰርቲ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስጓግ ክመርጹ የገድድ። መንግስቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንኣስታት 20,000 ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ዝመጽእ ክልተ ወርሒ ካብ ሃገሩ ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ሂቡ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ቤንጃሚን ነታንያሁ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ዝኣተው ናይ ቁጠባ ፍልሰተኛታት እምበር ስደተኛታት ኣይኮኑን ክብሉ ብተደጋጋሚ ይገልጹ። ስለዝኾነ ነዞም ዝበዝሑ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዝኾኑ ስደተኛታት 3,500 ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝን ናይ በረራ ቲኬት ብምድላው ናብ ሳልሳይ ሃገር ክስጓጉ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት “እዞም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኩናትን ዓመጽን ዝሃደሙ’ዮም፡ ናብ ካልእ ሃገር ምስጓግ ድማ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምእታው እዩ” ክብሉ ነቲ ውሳነ መንግስቲ ይቓወሙ።

ሩዋንዳን ኡጋንዳን እተን እዞም ስደተኛታት ዝኸድሉ ሃገራት ምኳኖም ክግለጽ እንተጸንሓ ካብዘን ሃገራት ግን ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን።

ኣማኑኤል ኣብ 2011 ዓ.ም ምስ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ምምጽኡ ብምግላጽ ካልኣይ ወዱ ኣብ እስራኤል ከምተወልደ ይሕብር። ብርግጽ በዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ንሰብ ሓዳር ዝምልከት እንተዘይኮነ ዝቕጽል ውሳነ እንታይ ኽከውን ይኽእል ብዝብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣብ እስራኤል ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 7,000 ሰባት 11 ጥራይ ሕቶም ቅቡል ምኳኑ ይግለጽ።

ገለ ዜጋታት እታ ሃገር እውን ከም ኣይሁድ ነዞም ስደተኛታት ናይ ምሕጋዝ ናይ ሞራል ግዴታ ከምዘለዎም ዝገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG