ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ክተባርር እያ


መብዛሕቲኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ እስራኤል ከምዝኣተው ይዝረብ

እስራኤል ዋሕዚ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ንምዕጋት ብዝብል ንኻልኣይ ግዜ ን150 ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሃገሮም ተባርሮም ኣላ።

ካብ 2005 ኣ/ፈ ጀሚሩ መብዛሕቲኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ልዕሊ 60 ሽሕ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ብናይ ግብፂ ሲናይ በረኻ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ከምዝኣተው ተፈሊጡ’ሎ።እስራኤል ንቶም ስዱዳት ዝሐሸ ናብራ ዝደልዩ ናይ ኢኮኖሚ ስድተኛታት እዮም ትብሎም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ማርክ ረጀቭ እስራኤል ናይ ኣይሁዳዊያን ሃገር ስለዝኾነት ንኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዕቑባ ናይ ምሃብ ሓላፍነት የብላን ኢሎም።ንሶም ብምቕፃል ንእሽተይ ሃገር ኢና ናይ ኩሎም ኣፍሪካዊያን ሽግራት ፍታሕ ክንኸውን’ውን ኣይንኽእልን ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር እስራኤል በንጃሚን ኔታኛሁ እቶም ስደተኛታት ንፀጥታን ባህሪ ኣይሁዳዊት ሃገርን ሓደጋ እዮም ኢሎምዎም ኣለው።

ብዙሓት እስራኤላዊያን ግን እስራኤል ኣብ ፅባሕ ሆሎኮስት/ናይ ኣይሁዳዊያን ህልቂት/ ዝተጣየሸት ናይ ስደተኛታት ሃገር እያ ክብሉ ነቲ ምብራር ይነቕፍዎ።

ኣብ እስራኤ ናይ ዝሰርሑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣማኻሪ ሕጊ ኣሳፍ ወይዘን ክንድዚ ዝኣክል ቁፅሪ ንዘሓዘ ሰብ ዘርኣዊ ግበረ መልሲ ምሃብ ቅቡል ኣይኮነን፡ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝደልዩ ሰባት እዮም፡ከም ስደተኛታት ክርአዩ ነይሩዎም ኢሎም።

እስራኤል ንቶም ኣፍሪካዊያን ብሰብኣዊነት ይሕዞም ኣለኹ ትብል።እቶም ተሰጎግቲ ኣብ ሱዳን ሓዱሽ ናብራ ንምጅማር ዘኽእሎም ሓደ ሽሕ ዩሮ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG