ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክጥረዙ ወሲና


55 ሽሕ ሕጋዊ መንበሪ ዘይሓዙ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ይነብሩ

ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ኣይቮሪኮስትን ስለዝተማሓየሸ፣ስደተኛታት እዘን ሃገራት ክትመልሶም ምኻና እስራኤል ኣፍሊጣ።ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ግና ንጊዚኡ ክፀንሑ ተወሲኑ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ግብፂ ናብ እስራኤል ዝሰገረ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ሞሰስ ጋድያ፣ባዓል ሓዳርን ኣቦ ሰስስተ ቆልዑን‘ዩ።

ኣነ ብወገነይ መጠነኛ ስራሕ ኣለኒ ዝብል ሞሰስ፣መንግስቲ እስራኤል ንቀዋሚ መንበሪ ዘይሓዙ ስደተኛታት ከምዝጥርዝ ኣብ‘ዚ ቀረባ ካብ ዘፍልጥ ንዳሓር ግና ሻቅሎቱ በርቲዑ‘ሎ በለ።

”ብዙሓት ስደተኛታት ስድራ-ቤታት ተሻቂለን‘ለዋ።ስራሕ ስለዘይርከብ፣ ናብራኦም ናብራ በረኻ ኮይኑ‘ሎ።ገንዘብ ስለዘይረኽቡ፣ናብ ሆስፒታል ከይዶም‘ውን ክሕከሙ ኣይካኣሉን” ኢሉ ጋድያ።

እስራኤላዊ ደጋፊ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ራሚ ጉዶቪች፣7 ሚእቲ ደቡብ ሱዳናውያን ነበርቲ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ክወፁ ዕድል ጊዜ ተዋሂብዎም‘ሎ ይብል።

ንሱ ወሲኹ ”ሓፂር ጊዜ‘ዩ ተዋሂብዎም።ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዳርጋ ናብ ህውከት ኣብ ዝተፀጋዓሉ ጊዜ ስለውፁ ዝተባሃሉ ድማ እቲ ስክፍታ ተጋዲዱ‘ዩ ዘሎ ይብል።

”እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መንግስቲ እስራኤል ንክልተ ሽሕ ካብ ውግእ ሕድ-ሕድ ሃገሮም ዝተሰደዱ ኣይቮሪኮስታዊያን ንክምለሱ ኣዚዙ‘ሎ።

ተሓለቅቲ መሰል ስደተኛታት ግና፣ኣብ እስራኤል ዘለው ኣስታት 55 ሽሕ ቀዋሚ መንበሪ ዘይብሎም ስደተኛታት ንሓደጋ ዝተቃልዑ ምኻኑ ይገልፁ።

85 ሚእታዊ ካብ‘ቶም ስደተኛታት፣ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን‘ዮም።ኣብ ሃገሮም ስደትን ዘይምርግጋእን ስለዘሎ ግና ንክፀንሑ ተወሲኑሎም‘ሎ።ግን ጊዚያዊ ፈቃድ‘ዩ።

ኣብ እስራኤል ወኪል ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕ/መ ዊልያም ቶል፣ ወርሓዊ ናብ እስራኤል በዝሒ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዓሚ ሓደ ሽሕ ነይሩ።ሎም-ዘበን ግና ወርሓዊ ናብ ክልተ ሽሕ ክብ ከምዝበለ ጠቂሱ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣሃዝ ዝሰግር ዘይሕጋዊ ስደተኛ ዜሮ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG