ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ናዕበኛታት እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶሪያን /ISIS/ ክሳድ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ምቑራፆም ዘሰቅቕ ተግባር እዩ ኢሎምዎ።ንቪኦኤ ዘመሓድር Broadcasting Board of Governers/BBG/ እውን ነቲ ማሕረዲ ኾኒኑዎ’ሎ።
ኣኽራሪ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶሪያን ንካልኣይ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ስቲቨን ሳትሎፍ ኽሳዱ ክቖርፅ ከሎ ዘርኢ ትማሊ ሰሉስ ዝዘርግሖ ቪዲዮ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ሓቅነቱ ኣረጋጊፁዎ’ሎ።
ጋዜጠኛ ስቲቨን ሳትሎፍ ቅድሚ ኽሳዱ ምቑራፁ ኣብ ቅድሚ ሓደ ብናይ ብሪታኒያ ኢንግሊዝኛ ዝዛረብ ኣሸባሪ ተንበርኪኹ ሽሙ፣መን ምዃኑን ንምታይ ይቕተል ከምዘሎን ተዛሪቡ።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ኢስቶኒያ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ እዞም ንስቲቨን ሳትሎፍ ዝቐተሉ ፍሹላት እዮም፤ዩናይትድ ስቴትስን ዓለምን ንባርባራዊነቶም ነፂጎምዎ ኣለው፤ ንድሕሪት እውን ኣይብሉን እዮም ኢሎም።
ዘስካሕክሕ ተግባሮም ሓድነት እዩ ዝፈጥረልና፤ኣንፃር እዞም ኣሸበርቲ እዚኦም እንካይዶ ቓልሲ እውም ዕፅፍ ኣይብልን እዩ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ንኣሜሪካዊያን ብምጉዳእ ጌጋ ዝፍፅሙ ከምዘይንርስዖ ክምሃሩ እዮም።ኢድና ነዊሕ እዩ፤ፍትሒ እውን ክረጋገፅ እዩ’’ኢሎም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙንን ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ዴቪድ ካምረንን እውን እዚ ምቑራፅ ክሳድን ‘’ጨካን መቕተልትን ፀያፍን’’ ክብሉ ኮኒኒምዎ።
ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ ቮኦኤ Broadcasting Board of Governers/BBG/ ጄፍ ሸል ኣብ ልዕሊ ስቲቨን ሳትሎፍን ጄምስ ፎለይን ዝተፈፀሙ መጭወይትን መቕትልትን ኣብ ሶሪያ ይፅብፅቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ንፁሃን ኣሜሪካዊያን ዝተፈፀመ ‘’ባርባራውን ጨካንን ተግባር’’ እዩ ኢሎምዎ።’’ንጋዜጠኛታት ብምቕታል እስላማዊ መንግስቲ ይፍፅሞ ዘሎ ሓቂ ኣይሽፈንን ኢሎም።’’ብምውሳኽ።
ISIS ካብ መጭወትን ምዕፋንን ሚሊዮናት ዶላር ከምዝተቐበለን ሎሚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ኣኽረርቲ ጉጅለታት እቲ ዝሃፍተመ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።ኣስታት 500 ቢሊዮን ዶላር ዘውፅእ ፀጋታት ከምዘለዎ ሓላፊ ትካል ስትራተጂ ፀጥታ ዴቪድ ኪሉሌን ገሎፆም ኣለው።