ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ኣብ በበይኑ ስፍራታት እቲ ክልል ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ዕላማ ዝግበረ ቅትለት፡ ምጕስቓልን ጭውያን ብቕልጡፍ ደው ኢሉ፡ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጥፋኣት ዝበሎ ዝመጣጠን ስጉምቲ ክወስድ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መግለጺ ንምውጻእ ድርኺት ዝዀኖ ሓሙሽተ ኣመንቲ፡ ካብኣቶም ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝዀኑ፡ ካብ ስግዳን ይምለሱሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብሰንበት ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ። መግለጺ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እቲ ክልል ከም ዝጠቕሶ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ’ውን ኣብ ከተማታት ሞታ፡ መክሰንጊትን ቢቺናን ሽውዓተ ኣመንቲ ብዕጡቓት ምቕታሎምን ፈጸምቲ በደል ንምቕጻዖም ዝተወስደ ስጕምቲ ከም ዘየሎን ሓቢሩ።
መሓውራት ጸጥታ መንግስቲ ኣዝዩ ስለ ዝላሕለሐ፡ ንኣመንቲ እስልምና ዘነጻጸረ ተደጋጋሚ መጭወይቲን ንምውጻእ ገንዘብ ምሕታትን ከምኡ’ውን መዝረፍቲ የጋጥም ኣሎ ዝበለ መግለጺ፡ ኵላቶም ኣካላት ነቲ ዘለዎም ፍልልይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን ንሲቪላውያን ዜጋታት ዕላማ ዝገበር ቅትለት ደው ከብሉን ጸዊዑ።
ቅጥዒ