ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊቢያ ብISL ምስ ዝተቐትሉ ኢትዮጵያዊያን ሰለስተ ኤርትራዊያን ከምዝርከቡዎም ሓደ ጋዜጣ እስራኤል ጸብጺቡ


ኣብ እስራኤል ወሃቢት ቃል ብዓል ስልጣን ኢሚግሬሽንን ዶባትን ሳቢን ሓዳድ ግና ቤት ፅሕፈተን ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ገና ከረጋግጾ ከምዘይክኣለ ሓቢረን ኣለዋ

እስላማዊ ግዝኣት ዝተብሃለ ኣኽራሪ ጉጅለ ካብ መንጎ ዝሓረዶምን ዝረሸኖም ኢትዮጵያዊያን ክርስቲያን እቶም ሰለስተ ካብ እስራኤል ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝተመሓላለፉ ኤርትራዊያን ምዃኖም ንሓደ ናይ እስራኤል ገባሪ ሰናይ ዝጠቐሰት ጋዜጣ ጆርሳለም ፖስት ፀብፂባ።

Hotline for Refugees and Migrants ዝተብሃለ ትካል ከምዝገለፆ ኣብዚ ትካል እዚ ብኣስተርጓሚነት ዝሰርሕ ኤርትራዊ ዘመዱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎት /እስራኤል/ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩን ሰባት ነቲ ሓደ ከምዘለለዩዎ ገሊፁ’ሎ።

ክልቲኦም ኣብቲ ቪዲዮ ዝተርኣዩ ግን ብኣባላት ስድርኦም ከይኮነስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎትን ኣብቲ ዘይመንግስታዊ ትካልን ዝፍለጡዎም ኣለሊዮምዎም ኣለው።

ሓደ ኣብ ሆሎት ዝተኣሰረ ኡጋንዳዊ ስደተኛ ንጆርሳሌም ፖስት ኣብዝሃቦ ቃል ካብ ዝተቐትሉ ሰለስተ እቲ ሓደ ኣብ እስራኤል ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል እዋን ከምዝነበረን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ንሓደ ማዕልቲ ናብ ቴልኣቪቭ ከምዝኸደን ቅድሚ ሓደ ማዕልቲ ናብ ሆሎት ተመሊሱ ከየመልከተ ከምዝተረፈን ይገልፅ።ድሕሪኡ ነይሩ ካብታ ሃገር ክወፅእ ዝተሰማምዐ ይብል እቲ ስደተኛ ብምውሳኽ።

ብመሰረት ሃትላይን እቶም ስደተኛታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር መዕቖቢ ከይሓተቱ ናብ ኣውሮፓ ንምእታው ቀጥ ኢሎም ናብ ሊቢያ ከምዘምርሑን ኣብ ኢድ እስላማዊ ግዝኣት ከምዝወደቑን ገሊፁ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ብዓል ስልጣን ኢሚግሬሽንን ዶባትን ሳቢን ሓዳድ ቤት ፅሕፈተን ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ታሪኽ ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ነቲ ሪፖርት እናመርመሮን ምዃኑን ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብዝሃብኦ ቃል ሓቢረን።

ካብቶም ብእስላማዊ መንግስቲ ዝተቐትሉ ኤርትራዊያን ሓው ምዃኑ ሓደ ኤርትራዊ ካብ ኣውሮፓ ኣረጋግጊፁልና’ሎ።

XS
SM
MD
LG