ዋሽንግተን —
ኣረሜናዊ ጉጅለ፣ ካብ ዝጨወዮም ስደተኛታት ክትሃድሙ ፈቲንኩም ንዝበሎም ብውሕዱ 10 ኤርትራውያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝቐተሎም ነቲ ፍጻሜ በኣዒንቶም ካብ ዝርኣዩ ኤርትራውያን ሓደ ንቪኦኤ ገሊጹ። እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ዘሎ ናይ ዓይኒ ምስክር እቲ ኩነታት ኣዝዩ ስለዝረበሾ ኣብ ጭንቀት ከም ዘሎ ኣብ ቀጻሊ ቃለ- መጠይቅ ከምዝህበናን ገሊጹልና'ሎ ።
ስድራቤታት ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ዳዒሽ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝተረድኡ ዘሙኡ ሓደ ካብቶም ግዳያት ምኻኑ ንቪኦኤ ዝገለጸ ነባሪ እስራኤል ኣዲስ ኪዳነ ገሊጹልና'ሎ።
ንኩነታት ስደተኛታት ብቀረባ ትከታተሎ ሜሮን እስቲፋኖስ'ዉን ዛጊት 12- ስድራቤታት ተረዲኦም'ለው ክትብል ገሊጻ'ላ።
እቲ ጉጅለ፣ ቅድሚ ሎሚ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናይ ዝቀተሎም ኣስታት 30 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቪድዮ ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።