ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ISIS ጅምላዊ ቅትለት ይፍፅም‘ሎ ይብል ሁማን ራይት ዋች


ግፍዒ እስላማዊ መንግስቲ ዒራቅን ሶርያን
ግፍዒ እስላማዊ መንግስቲ ዒራቅን ሶርያን

እስላማዊ መንግስቲ ዒራቅን ሶርያን(ISIS) ክሳብ 770 ዒራቃውያን መብዛሕተኦም ወትሃደራት ንዝነበሩ ኣብ ከተማ ትቅሪት ከምዝረሸነ ሁማን ራይት ዋች ኣፍሊጡ።

ቃለ-መጠይቃት፣ቪድዮን ስእልታት ሳተላይትን ተጠቂሙ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፣ሓሙሽተ ስፍራ ጅምላ መቃብር ከምዘሎ‘ውን ኣረጋጊፀ‘ለኹ ይብል።

እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ግና ኣስታት 1,700 ዒራቃውያን ወትሃደራት ቀቲለ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ‘ሎ።

ኣማኻሪ ሁማን ራይት ዋች ፍሬድ ኣብራሃምስ፣ነቲ ስጉምቲ ቅትለት፣ኣሰቃቂን ጅምላዊ መግሃስቲን ካብኡ ሓሊፉ ብገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ክግለፅ ዝግባእን‘ዩ ይብል።

እስላማዊ መንግስቲ ዒራቅን ሶርያን(ISIS)፣ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ኣካል ወፍሪ ሸበራ ኢሉ ንዝፈፀሞም ጅምላዊ ቅትለታት ናብ ህዝቢ ዘርጊሑዎ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG