ዋሽንግተን —
ወሃቢ-ቃል’ቲ ጥምረት ስቲቭ ዋረን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ‘ቸራፊ ኣል-ሙዳን፣ ዝሓለፈ ቅነ’ዩ ተቀቲሉ’ ይብል።
ብተወሳኺ ንሱ ምስ’ቲ ንመጥቃዕቲ ፓሪስ ዝወደበን መራሒ ዋህዮን ዝባሃልን ዓብደልሃሚድ ኣባውድ ርክብ ነይሩዎ። ኣባውድ ድሕሪ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ፓሪስ ከምዝተቀትለ ዝዝከር’ዩ ኢሉ።
ዋረን ‘ሙዳን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ንክፍጽም ይሰርሕ ነይሩ’ ክብል ከሎ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ድዩ ኣብ ኣውሮጳ ግን ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ውሽጢ’ዚ ይዛዘም ዘሎ ወርሒ ታህሳስ፣ ዓሰርተ ላዕለዎት መራሕቲ ዳዕሽ ብሓይልታት ጥምረት ከምዝተቀትሉ ወሃቢ-ቃል'ቲ ጥምረት ሓቢሩ'ሎ።
‘ዳዕሽ ዶብ ሰገር መጥቃዕቲ ክሳብ ዘዋደዱ፣ ኣብ ዝሃለውዎ ይሃልው ኣሳዲድና ክንሃድኖምን ክንቀትሎምን ኢና’ ይብል ሰራዊት ኣሜሪካ።