ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናእሽቱ ሕርሻ ንሓረስቶት ዘዋፅእ ምኻኑ ሓደ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ


Farming in Africa.
Farming in Africa.
ኣብ ናእሽቱ ሕርሻታት ዝካየድ መስኖ፣ንኣታዊ ቢልዮናት ሓረስቶት ኣፍሪቃን እስያን ከምዘደንፈዐ ሓድሽ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።

ትካል ዓለም-ለኸ ምሕደራ ማይ ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ከምዝተገልፀ፣መስኖ ናእሽቱ ሕርሻ፣ንሚልዮናት ሓረስቶት ካብ ሓደጋ ለውጢ ኣየር ኣድሒኑ፣ውሕስነት መግቢ ከረጋግፁ ኣኽኢሉዎም‘ሎ ይብል።

ኣብ እስያን ኣሜሪካን ብጠንቂ ዝተራኣየ ሕማቅ ኣየርን ደርቂን፣ዋጋ እኽሊ ንክንህር ከምዘገደደ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ማይ ንሃብቲን ውሕስነት መግቢን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ‘ቲ ሪፖርት፣ቴክኒክ ምሕደራ ማይ፣ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ሚእታዊ ንፍርያማነት ከድንፍዕ ይኽእል‘ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በፂሑ‘ሎ እቲ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG