ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደብረዘይቲ ኣብ በዓል ኢረቻ ዘጋጠመ ሞት ስዒቡ ኣብ ከባቢ አዲስ አበባ ዝተላዓለ ተቓውሞ ምቕጻሉ ተገሊጹ


ኣብ ደብረዘይቲ በዓል ኢረቻ
ኣብ ደብረዘይቲ በዓል ኢረቻ

ኣብ ደብረዘይቲ ዝኻየድ ዝነበረ በዓል ኢረቻ ዘጋጠመ ሞት ስዒቡ ሎሚ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ናይታ ሃገር ከባቢታትን ተቓውሞ ተኻይዱ’ሎ።

ኣብ ሰንዳፋ ልዕሊ 160 ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተታሒዞም ናብ ሆለታ ከምዝተወስዱን ሓደ ወዲ 15 ዓመት ከምዝተቐትለን ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ነቲ መንእሰይ ቀቲሉ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ግን ኣይቀተልኩን ኢሎም ኣለው።

ኣብ ወለጋ ጊምቢ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ህዝቢ ንከይንቀሳቐስ ኣጊዶም ኣለው ተባሂሉ።

ብዛዕባ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኦሮሚያን ዝተሓተቱ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ብወገኖም ከምዚ ኢሎም።

“ኣብዚ ሰዓት ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ዝፍተፈፀመ ነገር የለን።ትማሊ እውን ሰላም እዩ ነይሩ።ካብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቡራዩ ግን ኣሸዋ ሜዳ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ሪፖርት በፂሑና’ሎ።ህዝቢ ኸኣ ተቓውምኡ ቀፂሉ’ሎ።አባይቲ ንግዲ ምዕጻዎምን ዕግርግር ከምዘሎን እዩ።”

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ፍሉይ ዞባ ክልል ኦሮምያ ከተማ ሰንዳፋ ልዕሊ 160 ሰባት ናብ ሆለታ ከምዝተወስዱን ከምኡ እውን ፊጣ ጉቴ ሙለታ ዝተባህለ ወዲ 15 ዓመት ብሓላፊ ፀጥታ ከምዝተቐትለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሓላፊ ፀጥታ ግን ነቲ መንእሰይ ኣይቀተልኩን ኢሎም።ኣብ ዞባ ወለጋ ከተማ ግንቢ ሓይልታት መንግስቲ እቲ ህዝቢ ከይንቀሳቐስ ምኽልካሎምን መንእሰያት ድማ እቲ ሓይሊ ካብታ ከተማ ለቒቑ ክወፅእ ከምዝሓተቱዎን ነበርቲ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ሲሞኔ ግን ኣብታ ከተማ ናይ ንግዲ ትካላት ዝዓፅውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምሃብ ዘቋረፁ ሓይልታት ፀረ ሰላም ኣለው ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ቢሸፍቱ ኣብ በዓል ኢረቻ ብሓይልታት መንግስቲ ተፈፂሙ ንዝበሉዎ ቕትለት ብምኹናን ናይ ዓፋር ህዝባዊ ፓርቲን ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን መግለፂ ኣውፂኦም።

ምስዚ ብዝተአሳሰር ኣብ ኢትዮጵያ ተልእኾ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢረቻ ዓመታዊ በዓል ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ሞት ከምዘሕዘኖ ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት ፅንዓት ተመኒዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕረቀ ሰላም ንኽካይድን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ህዝቢ ሕቶታት ከይዲ ምሃብ መፍትሒ ክጅመር ከምዘለዎ ፀዊዑ’ሎ።

ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ንኢትዮጵያን ጠቕላላ ህዝባን ንምሕጋዝ ድልዊ ምዃኑን ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG