ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወላዶ ኢሮብ ብስእነት ሓገዝ የማርሩ


ናብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምእታዉ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎና ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣይተ ወልደማርያም ብስራት ዝተባህሉ ተወላዲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ኲናት ከቢድ ፀገም ዘሕለፈ ህዝቢ ኢሮብ ሕጂ እውን ካብ ፀገሙ ኣይተላቐቐን ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብቲ ከባቢ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምህላዉ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ኮምሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ቅድመ መጠንቀቕታ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቅድመ መጠንቀቕታን ግብረመልስን ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣረጋዊ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ሓገዝ ዘይወሃበሉ ዘሎ ምኽንያት ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ጣብያታት እተን ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝርከባ ምዃነን ሓቢሮም።

ከም መግለጺ እቶም በዓል መዚ፡ ነበርቲ ኢሮብ ናብ ዓዲግራት መፂኦም ሓገዝ ንኽቕበሉ እኳ እንተተፈተነ፡ ምስ ዘሎ ፀገም መጓዓዝያን ራሕቂ መንገዲን ግን ክዕወት ኣይከኣለን ይብሉ።

እቲ ጉዳይ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንዓለምለኸ ትካላትን መፍትሒ ንክግበረሉ ኣፍሊጥና ኢና ዝበሉ ኮይኖም፡ ተመሳሳሊ ፀገም ኣብቲ ክልል ወረዳታት ኦፍላ፥ ፀለምቲን እገላን ከምዘሎ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG