ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሄረሰብ ኢሮብ ኣብ ሓደጋ፣ ሓጋዚ የማዕዱ


ብሄረሰብ ኢሮብ ኣብ ሓደጋ፣ ሓጋዚ የማዕዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

ብሄረሰብ ኢሮብ ኣብ ሓደጋ፣ ሓጋዚ የማዕዱ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ፡ ዞባ ምብራቕ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተወላዶ ብሄረሰብ ኢሮብ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ደርቂ፡ ስእነት ሰላምን ርሕቀት ካብ ማእከላይ ምምሕዳርን ተደማሚሩ ንህልውናንኦም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎም ከም ዘለዉ ይገልጹ። ነቲ ብባህርያዊን ሰብ-ሰራሕን ሓደጋታት ዝተሃስየ ኣከባቢ ንምሕጋዝ’ውን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዓዲግራት ሓደ ሓይሊ-ዕማም ተኻዪዱ ነይሩ።

ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ብወገኑ ኣብቲ ብሄረሰብ ዝተፈጠረ ጥምየትን ስእነት ሰላምን ማሕበረሰብ ዓለም ንክፈልጦን ንምግባርን ህዝቢ እቲ ብሄረሰብ ንክሕገዝ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።

ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፥ ፀገም እቲ ብሄረሰብን ተመዛቢሎም ዝርከቡ ነበርቲ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ንምፍታሕ ምምሕዳሮም ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝዘራረብሉ ገሊፆም። ኣብዚ ጉዳይ ግብረ-መልሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኣይተኻእለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG