ዋሽንግተን —
ኣብ ዓድግራት ክልል ትግራይ ዝነብሩ ገለ ተወላዶ ኢሮብ ህዝቢ ኢሮብ ብክልተ ሓይልታት ተመቒሉ ንኣደራዕ ተቓሊዑ'ሎ ይብሉ።
ኣቦ-መንበር ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ኣቶ ሃውኩ ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፥ ህዝቢ ኢሮብ ብሓፈሻ ሓሲምዎ እኳ እንተሎ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝርከብ ከባብታት ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ'ሎ ይብል።
ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ህዝቢ ኢሮብ ነንሕድሕዱ ክራኸብ እውን ኣጸጊምዎ'ሎ ዝበለ ኣቶ ሃውኩ፥ ብዙሓት ቆልዑት ናይ ትምህርቲ ዕድል ስኢኖም ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ቅጥዒ