ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባህላዊ ጽምብል እሬቻ ብርክት ዝበሉ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ (ቪድዮ ኣዚዩ ቅሉዕ ምስሊ ዝሓዘ ምዃኑ ኣቐዲምና ንመክር)


ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ባህላዊ ጽምብል እሬቻ ብዝተላዕለ ህውከትን ግጭትን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ምማቶምን ካልኦት ድማ ምቑሳሎምን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ሓምሳን ክልተን ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ ኢትዮጵያ ድማ ንሓይልታት ህውከት ፈጠርቲ ዝበሎም ወንጂሉ።

ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ ንመንግስቲ ተቓዊሞም ብዝበሎም መንእሰያትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዘጋጠመን ምዃኑ ብምሕባር፥ በቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኦፌኮ ዶክተር መረራ ጉዲና ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ብቶኽሲ ዘንብዕ ጋዝን ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥን ምዃኑ ሓቢሮም።

ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ማለት ኦፌኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ ንመንግስቲ ተቓዊሞም ብዝበሎም መንእሰያትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዘጋጠመን ምዃኑ ብምሕባር፥ በቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኦፌኮ ዶክተር መረራ ጉዲና ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ብቶኽሲ ዘንብዕ ጋዝን ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥን ምዃኑ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG