ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት በዓል እረቻ ተዘኪሩ


ስነ-ስርዓት በዓል እረቻ፡ ማለት መዓልቲ ምስጋና ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ተኸቢሩ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ ብሚልዮናት ዝቁጸር ህዝቢ ኣብቲ ጽንብል ተሳቲፉ።

ብተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ናብቲ ጽባሕ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝኽበር ካብ ኣዲስ ኣበባ 42 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ቦታ ይውሕዙ ኣለዉ ይብሉ ወደብቲ`ቲ በዓል ይሕብር።

ናይ ሎሚ ዓመት እረቻ ዝኽበር ዘሎ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ኦሮሚያ ግጭትን ስእነት ጸጥታን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን`ዩ።

ኣብ መንጎ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ክልተ ዙር ዘተ ምፍሻሉ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝውጽኦ መልእኽቲ እረቻ ኣርማ ሰላም ሓድነትን ሕውነትን `ዩ ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ጸገም ጸጥታ ግን ብቐጥታ ኣይተዛረበን።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 እረቻ ኣብ ዝተኸበረሉ እውን ብሰንኪ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ሽዕኡ ዝነበረ መንግስቲ ዝተፈጥረ ግጭት ብዙሓት ምሟቶም ይዝከር።ኣካልቲ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ስርዓት ገዳ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG