ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዘዝቲ ሰራዊት ዒራቕ ዳዒሽ ንፍሉጥ መስጊድ ከተማ ሞሱል ምዕናው ሓቢሮም


ኣዘዝቲ ሰራዊት ዒራቕ፡ ዳዒሽ ኣብ ሞሱል ንዝርከብ ፍሉጥ መስጊድ ኣል-ኑሪ ምዕናዎም እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ዝነበሮ ትሕዝቶ እናተፀንቀቐ ይመፅእ ከምዘሎ ሓባሪ ምልክት እዩ ኢሎም።

ወታደራት ዒራቕ ብወገኖም ወታሃደራት ዒራቕን ሓይልታት ጥምረትን ብዓወት ናብታ ከተማ ቅድሚ ምእታዎም ዳዒሽ ንኩሉ ነገር ከዕኑ ድልየት ኣለዎ ኢሎም።ሓይልታት ዒራቕ ናይ መወዳእታ ትሕዝቶ ዳዒሽ ንምድምሳስ ስርሒት የካይዱ ኣለው።

‘ዓብዪ መስጊድ ሞሱል’ ብዝብል ዝፍለጥ ልዕሊ 800 ዓመታት ዝዕድሚኡ መስጊድ መራሒ ዳዕሽ ኣቡ ባክር ኣል-ባግዳዲ ኣብ 2014 ዓ.ም ንገዛእ ርእሱ ካሊፈት ወይ እስላማዊ መራሒ ዒራቕን ሶሪያን እየ ኢሉ ዝኣወጀሉ መስጊድ እዩ።

XS
SM
MD
LG