ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ዒራቕ ንከተማ ራማዲ ተቆጻጺሮም


ኣሃዱታት ሰራዊት ዒራቕ፣ብሱኒ ዝምርሑ ተዋጋእትን መብዛሕቲኦም ሽዓ ዝሓቖፈ ናይ ፖሊስ ብርጌድን ንማእኸል ከተማ ራማዲ ካብ ተዋጋእቲ ዳዕሽ መንዚዖም ተቖጻጺሮም።ራማዲ ዋና ከተማ ምምሕዳራዊ ከባቢ ኣንባር እያ።ሓይልታት መንግስቲ ነታ ከተማ ንምሓዝ ኣንጻር ዳዕሽ ንሰሙናት ምውግኦም ይዝከር።

እቲ ናብታ ከተማ ዘአተወ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህንጻ ዋና ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ራማዲ ናይ ዒራቕ ባንዴራ ክሰቕሉ ከለው ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ዒራቕ ተራእዩ’ሎ።

ዋና ኣማሓዳሪ ሰውሒብ ኣል-ራዊ ንንበርቲ ኣንባር መንግስታዊ ህንጻ ምቁጽጻር ዝሕብሮ ነገር ዝተረፈ ግዝኣት ኣንባር ካብ ዳዕሽ ነጻ ንምውጽኡ ምልክት እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG