ዋሽንግተን —
ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ንመራሒ ኣብ ዒራቕ ኣንጻር ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ዝተፈጸሙ ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት ምትሕሓዝ ኣለዎ ዝበሃልን ብኢራን ዝምወል ጉጅለ ሚሊሻታት ሃራካት ኑጃባ ቐቲሉ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ፍርቂ መዓልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት፣ ነታ ኣብ ደገ ቤት ጽሕፈት ሚሊሻታት ሃራካት ኑጃባ ዝነበረት መኪና ከምዝወቅዐን፣ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ሙሽታቅ ካዚም ኣል ጀዋሪ ወይካኣ ብሳጉኡ ኣቡ ታቕዋን ምስኡ ዝነበረ ምልሻን ከምዝተቀትሉን ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ሰራዊት ኣመሪካ ኣገዳሲን ተመጣጣኒን ስጉምቲ ወሲዶም ኣለው ይብል። ሰበ-ስልጣን ዒራቕ ነቲ ቅትለት ኮኒኖምዎ ኣለው።
ቅጥዒ