ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደጀን ዳዕሽ ዝኾነት ከተማ ሞሱል ብሓይልታት ዒራቕ ተታሒዛ


ኣብ ዒራቕ ምስ ምሕራር ዝበዝሐ ክፋል ከባቢታት ከተማ ሞሱል ካብ ቁጽጽር ዳዕሽ - ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጽምብል ዓወት ምድምሳስ ዳዕሽ ምጅማሮም ተሓቢሩ።

ዳዕሽ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንሰፊሕ ከባቢታት ዒራቕ ተቖጻጺሩ ምጽንሑ ይዝከር።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝካየድ ኩናት ምስ ምትሓዝ እታ ከም ደጀን ኮይና ንነዊሕ ግዜ ከተገልግል ዝጸንሐት ከተማ ሞሱል ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኹ በጺሑ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሓይደር ኣል ዓባዲ ሞሱል ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ዒራቕ ድሕሪ ምውዳቓ ንፈለማ ግዜ ናብታ ከተማ ኣብ ዝበጽሓሉ
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሓይደር ኣል ዓባዲ ሞሱል ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ዒራቕ ድሕሪ ምውዳቓ ንፈለማ ግዜ ናብታ ከተማ ኣብ ዝበጽሓሉ

ሰራዊት ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዘካይዶ ኩናት ሕጂ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ጥራይ ተሓጺሩ ከምዝርከብን፡ ተረፍ ሰራዊት ዳዕሽ ንምድምሳስ ገዛ ገዛ እናተኣትወ ዳህሳስን ተፍትሽን ይካየድ ምህላው ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ደጀን ዳዕሽ ዝኾነት ከተማ ሞሱል ብሓይልታት ዒራቕ ተታሒዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:31 0:00

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሓይደር ኣል ዓባዲ ሞሱል ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ዒራቕ ድሕሪ ምውዳቓ ንፈለማ ግዜ ናብታ ከተማ በጺሑ።

እቲ ኣብ ሞሱል ተሪፉ ዘሎ ኲናት ምስቶም ክሳብ መወዳእታ ክቃለሱ ዝተረፉ ኣባላታ ዳዕሽ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ: ዝመረረ ክኸውን ከምዝኽእል ብተወሳኺ ተጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG