ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያን ዒራቕን፡ ንኢራንን ስዑዲ ዓረብን ክሽምግላ ሓሳብ ኣቕሪበን፡ ኤርትራ ድማ ንመጥቃዕቲ ኢምባሲ ስዑድያ ኾኒና


ፍይል- ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ዒራቕ ኢብራሂም ኣል-ጃፋሪ
ፍይል- ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ዒራቕ ኢብራሂም ኣል-ጃፋሪ

ስዑዲ ዓረብ ንሃይማኖታዊ መራሒ ሽዓት ዝሓለፈ ሰሙን ብሞት ምስ ቀጽዓት ፡ በዚ ተግባር ስዑዲ ዝተቆጥኡ ኢራናዊያን ንኤምባሲ’ታ ሃገር ወሪሮም። ነዚ ተኸቲላ ስዑዲ ዲፕሎማሳዊ ዝምድና ምስ ኢራን ምቁራጻ ገሊጻ። ብድሕሪ’ዚ አብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ምንሃሩ ቀጺሉ።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ዒራቕ ኢብራሂም ኣል-ጃፈሪ ምስ ናይ ኢራን መዘንኦም መሃመድ ጃቫድ ዛሪፍ ሎሚ አብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ህላውነት ዒራቕ አብቲ ዞባ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ዘህድእ’ዩ ኢሎም።

ሩስያ’ውን አብቲ ጉዳይ መንጎኛ ኮይና ክትሰርሕ ጠለብ ዘቕረበት ክትኸውን ከላ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ድማ ምስ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ይዘራረቡ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ ትማሊ አብ ዝሃብዎ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቴሌፎን ከምዝተዘራረቡን ጠቒሶም።

ዓረብ ሊግ ብስዑዲ ዓረብ ዝተጸውዓ ብዛዕባ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ንምዝርራብ ሰንበት ኣኬባ ከካይድ’ዩ።ንስዑዲ ዓረብ ወሲኻ ካልኦት አባል ዓረብ ሊግ ዝኾና ሃገራት ምስ ኢራን ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምቁራጸን ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ጅቡቲ ሎሚ አብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምስ ኢራን ምቁራጻ ገሊጻ’ላ።

ምስ’ዚ አብ ዝተአሳሰር ዜና ሚኒስትሪ ወጻኢ ኤርትራ ትማሊ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ አብ ስትራቴጂካዊ ጎርብትና ዝተመስረተ ዝምድና ዳግም ብምርግጋጽ ነቲ አብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ አብ ኢራን ዝተካየደ መጥቓዕቲ ኮኒና።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይኸኣል።

XS
SM
MD
LG