ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዒራቕ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት መርዓ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ 100 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜን ዒራቕ ክፍለ-ግዝኣት ነነቫህ መርዓ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ሓደ ኣደራሽ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ 100 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 150 ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።

እቲ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ብብዝሒ ኣመንቲ ክርስትና ዝነብርሉ ዞባ ሞሱል ቁሩብ ውጽእ ኣብ ዝበለ ክፍለ ግዝኣት ነነቫህ ሃምዳንያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እዩ።

ጠንቂ እቲ ባርዕ ሓዊ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ቅድም ክብል ግን መደበር ተሌቭዥን ኩርዲ ኣብቲ መርዓ ዝተተኮሰ ርቺት ነቲ ባርዕ ሓዊ ከምዘበገሶ ገሊጹ ኔሩ።

ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ሲቪል ዒራቕ ኣብቲ መርዓ ንመመላኺዒ ዝወዓለ ነገራት ብቀሊሉ ባርዕ ሓዊ ከልዕሉ ዝኽእሉ ምንባሮም ምዝራቦም ትካል ዜና ዒራቕ ጠቂሱ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሽያ ኣልሱዳኒ ምርመራ ክግበር ኣዚዞም ኣለው፡ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር ከኣ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሓገዝ ክህብን ሓቲቶም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG