ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎም እስላማዊን ናብ ባግዳድ እናገስገሱ ምዃኖም ተገሊፁ


Fighters of the Islamic State of Iraq and the Levant (ISIL) stand guard at a checkpoint in Mosul, northern Iraq, June 11, 2014.
Fighters of the Islamic State of Iraq and the Levant (ISIL) stand guard at a checkpoint in Mosul, northern Iraq, June 11, 2014.
ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎም እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሌቫትን ዝተብሃሉ እስላማዊያን ኣኽረርቲ 100 ኪሎ ሜርት ብኣንፈት ዋና ከተማ ባግዳድ ከምዝተፀግዑ ተሓቢሩ።ሓይልታት መንግስቲ ምስ ስሓቡ ተዋጋእቲ ኩርዲ ፔሽመርጋ ብነዳዲ ሃብታም ንዝኾነት ኪርኩት ተቖፃፂሮምዋ ኣለው።

መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኑሪ ኣል-ማላኪ ንቶም ኣኽረርቲ ንምምካት ፍሉይ ስልጣን ንኽውሃቦም ይሓቱ ኣለው።ይኹን እምበር ህፁፅ እዋን ንምእዋጅ ዝተፀውዐ ህፁፅ ጉባኤ ፓርላማ ዒራቕ ምልኣተ ጉባኤ ብዘይምምልኡ ተሰሪዙ’ሎ።

ካብ ሽዓት ዝኾኑ ምኽትል ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኻሊድ ኣቲያሕ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ማሊኪ ፖለቲከኛታት ዒራቕ ባእሶም ጠጠው ከብሉ ፀዊዖም ኣለው።መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ ክንዲ ነንሕድሕዶም ምስሕሓብ ንምሕባር ፃዕሪ ክገብሩን ’’ወረርቲ ገበነኛታት’’ ኢሎም ንዝፀውዕዎም ካብ ዝሓዝዎ ቦታታት ንምድፋእ ኩሉ ክተሓባበርን ፀዊዖም።

መንግስታዊ ቴሌቪዥን ዒራቕ ብፍቓዶም ዝዋግኡ ሰባት ኣብ መመልመሊ ኖቕጣታት ተሰሊፎ ኣርእያ’ላ።እቶም ዝበዝሑ ካብ ሱኒ ከኮኑስ ካብ ሽዓት ዝመፁ ይመስሉ።ልዕሊ 90 ሚእታዊ ሰራዊት ዒራቕ ሽዓት ምዃኖም ሓደ ሓደ ተንተንቲ ይዛረቡ።

እቶም ናዕበኛታት ናብ ባግዳድ ክነምርሕ ኢና ኢሎም ኣለው።ነዳዲ ንዝፀረየላ ከተማ ቤይጂን ትውልዲ ዓዲ ሳዳም ሑሴን ንዝኾነት ቲኪሪትን ከምዝተቖፃፀሩወን ተሓቢሩ’ሎ።እቶም ተዋጋእቲ ፍሉጥ ናይ ሺዓት መፀለዩ ቦታ ናብ ዝርከበላ ሳማራ ይግስግሱ ከምዘለው ኣል-ጀዚራ ፀብፂባ።
ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ዒራቕ ንትሕዝቶታት እቶም ዓመፅቲ ምድብዳበን ተገሊፁ’ሎ።
ብኻሊእ ወገን ድማ ናይ ኩርዲ ፔሽመርጋ ተዋጋእቲ ነዳዲ ንዝምረተላ ከተማ ኪርኩት ካብ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖምዋ ኣለው።

ዩናይትድ ስቴትስ ንቶም ወረርቲ ዕጡቓት ንድሕሪት ንምድፋእ ብመንግስቲ ዒራቕ ንዝቐረበ ወታደራዊ ሓገዝ እናመርመረቶ ምዃና ሓቢራ’ላ። እቶም ዓመፅቲ መብዛሕቲኦም ሱኒ ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ዒራቕን ሶሪያን እስላማዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ይደልዩ።
XS
SM
MD
LG