ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዒራቕ፡ ናብ ዞባ ኩርዲ ዝግበር ዓለምለኸ በረራ ሰሪዛ


ናይ ዒራቕ ቀዳማይ ምንስቴር ሓይደር ኣል-ኣባዲ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር
ናይ ዒራቕ ቀዳማይ ምንስቴር ሓይደር ኣል-ኣባዲ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር

ናይ ዒራቕ ቀዳማይ ምንስቴር ሓይደር ኣል-ኣባዲ ናብ ናይ ኩርዲ ክልል በረራ ኣየር ሎማዕንቲ ዓርቢ ዝኣገዱ ንህዝቢ ኩርዲ ንምጥማይ ኣይኮነን ኢሎም።

ናብቲ ከባቢ ዝግበር ዓለምለኸ በረራ ኣየር ካብ ሎማዕንቲ ንጉሆ ጀሚሩ ተሰሪዙ’ሎ።ኩርዳዊያን መናእሰይ ነዚ ብምቅዋም ሰልፊ ወፂኦም ነይሮም።ኩርዳዊያን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ነፃነት ረፈረንደም 92 ሚእታዊት እወ ንነፃነት ድሕሪ ምምራፆም እቲ እገዳ ሕነ ንምፍዳይ እዩ ይብሉ።

ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ምስራዝ እቲ በረራ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ 1.6 ሚሊዮን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ጎዳኢ ፅልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ይብሉ ኣለው።

ፓርላማ ዒራቕ እቲ ህዝበ ውሳነ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ኢሉ ብምፅዋዕ ቀ. ሚኒስትር ኣባዲ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ናይ ነዳዲ መውፅኢ ጎዳጉዲ ዝቆፃፀሩ ወታደራት ክልእኹ እውን ሓቲቱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG