ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኲናት እስራኤል ሓማስ ክጋደድ ይኽእል እዩ ክብል የጠንቅቕ


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሑሴን ኣሚራ ዓብዱላሂ - ፋይል
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሑሴን ኣሚራ ዓብዱላሂ - ፋይል

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ደብዳባ እንተቐፂላ ኣብ ካልኦት ካባቢታት እቲ ዞባ ኲናት ክሰፍሕ ይኽእል እዩ ክብል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ትማሊ ሰንበት ደጊሙ ኣጠንቂቑ።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር ዓብዱላሂ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቴህራን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ "ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቲ ዞባ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ይኽእል እዩ’’ ኢሎም ።

ኢራን ኣብ ዞባዊ መሻርኽታ ሊባኖስ ዘለው ጉጅለ ዕጡቓት ህዝቦላሕ ትዕግስቶም ተፀንቂቑ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ይኽእሉ እዮም ክትብል ኣብ ቀረባ መዓልታት ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ ኣላ።

ሑሴን ኣሚር ዓብዱላሂ ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ሰንበት ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መዘንኦም ናለዲ ፓንዶር ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ምሉእ ለይቲ ኣብ መላእ ቓዛ ከምኡ እውን ኣብ ክልተ መዓረፎ ነፈርቲ ሶርያን ኣብ ምዕራብ ገማግም ድማ ዕጡቓት ይጥቀምሉ ነይሮም ኣብ ዝበሉዎ መስጊድን ከምዝደብደባ ኣሶሴይትድ ፕረስ ፀብፂቡ ኣሎ።

ኲናት እስራኤል ሓማስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እስራኤል መዓልታዊ ብዝብሃል ምስ ህዝቦላሕ ምልውዋጥ ተኵሲ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG