ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዝነበሩ 5 ኣመሪካዊያን ተፈቲሖም


ኣብ ኢራን ንዓመታት ትኣሲሮም ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣመሪካዊያን ድሕሪ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተበጽሓ ስምምዕ ሎሚ ሰሉስ 19 መስከረም 2023 ተፈቲሖም። እዚ ምፍታሕ እቶም እሱራት ዝተኻየደ ብእገዳ ኣመሪካ ከይንቀሳቀስ ደው ኢሉ ዝነበረ ኣብ ባንክ ሒሳብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ 6 ቢልዮን ዶላር ኢራን ናብ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ናይ ባንክ ሒሳብ ክሰጋገር ኣመሪካ ድሕሪ ምስምማዓ'ዩ።

ነቶም እሱራት ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ፎርት ቤልቮር ኣብ ዝኣተውሉ ናይ ሓጎስ ጭደራ ይስማዕ ኔሩ።

ነቶም ኣመሪካውያን እሱራት ናጻ ንምውጻእ ባይደን ዝገበርዎ ውዕል ካብ ስድራ እቶም እሱራት እዙዝ ምስጋና እንተኣምጽኣሎም ካብ ተጻረርቶም ኣባላት ሪፑብሊካን ፓርቲ ግን ምስ ጸላኢት ኣመሪካ ውዕል ገንዘብ ብምግባሮም ተሪር ነቐፌታ ኣስዒብሎም'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG