ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ካብ ቀንዲ ኣተኩሮ ርክብ ፕረ. ትራምፕን ልኡል ስዑድዓረብን ክትኸውን ከምእትኽእል ተገሊጹ


ልኡል ንግስነት ስዑድ ዓረብ መሓመዲ ቢን ሳልማን
ልኡል ንግስነት ስዑድ ዓረብ መሓመዲ ቢን ሳልማን

ልኡል ንግስነት ስዑድ ዓረብ መሓመዲ ቢን ሳልማን ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ኣብ በበይኑ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኢራን ምዃኖም ተሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ እቲ ርክብ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናአን ዝያዳ ምዕባለ ከምጽኣ ዝለዓለ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምጥቃስ ተራ ኢራን ኣብ ጉዳይ ዘይምርግ ጋእ እቲ ዞባ ሓደ ካብ ዛዕባ ናይቲ ርክብ ከምዝኸውን ጠቒሱ።

ኢራን ካብ ቀንዲ ኣተኩሮ ርክብ ፕረ. ትራምፕን ልኡል ስዑድዓረብን ክትኸውን ከምእትኽእል ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:45 0:00

ልዑል ስዑድዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታው ምስ ተለቪዥን ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ንመራሒ ኢራን ምስ መራሒ ናዚ ጀርመን ነበር ኣዶልፍ ኢትለር ኣመሳሲልዎ። ኣብ ጉዳይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ድማ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተጨቢጣ ስዑድዓረብውን ብተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቲ ልኡል ምስ ተለቪዥን ሲቢኤስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ "ስዑድዓረብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንን ኣይትደልን እያ። ኢራን እንተጨቢጣ ግን ብቑልጡፍ ንሕናውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና " ክብልዩ ኣፍሊጡ።

ርክብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ስዑድዓረብን ኢራንን ዓሪጉሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ዘቃናዕ ዘሎ'ዩ።

XS
SM
MD
LG